1. ዮስያስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋስጋ ኣብዐለኣብታ መጀመርያ ወርሒ በታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሐረዱ

2. ንሱ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ መዞም ኣቘሞምኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኬገልግሉ ኣፋጠኖም።

3. ነቶም ንብዘሎ እስራኤል ዚምህሩንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከኣ በሎምነቲ ቅዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤት ኣቐምጥዎ፡ ደጊም ኣብ መንኲብኩም ጾር ኣይኪዀነኩምን እዩ፡ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም

4. ከምቲ ጽሕፈት ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ከምቲ ጽሕፈት ሰሎሞን ወዱን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም በብኽፍልኹም ተዳለዉ

5. ከከም ክፍሊ ማይ ቤት ኣቦታት ኣሕዋትኩም፡ እቶም ደቂ ህዝቢ ኣብቲ መቕደስ ቁሙነንማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ሐሓደ ኽፍሊ ይኹን።

6. ፋስጋ ሕረዱ ተቐደሱ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብሙሴ ምእንቲ ኺገብርዎስነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም።

7. ዮስያስ ድማ ንደቂ እቲ ህዝቢ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ዘበሉ ኹሎም ካብቲ መጓሰ ብቚጽሪ ሰላሳ ሽሕ ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሽሕ ብዕራይን፡ ኲሎም ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ወፈዮም። እዚ ኻብ ጥሪት ንጉስ እዩ

8. እቶም መሳፍንቱውን ብፍቓዶም መስዋእቲ ዚኸውን ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሀብዎምሒልቂያን ዘካርያስን የሒኤልን፡ እቶ ሓልቑ ቤት ኣምላኽ ከኣ፡ ንኻህናት ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ኽልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሚእቲ ብዕራይን ሀብዎም

9. እቶም ሓላቑ ሌዋውያን ድማ፡ ኮናንያን ሸማዕያን ንታንኤልን ኣሕዋቱን ሓሻብያን የዒኤልን ዮዛባድን ንሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋስጋ ዚዀኑ ሓሙሽተ ሽህ ገንሸልን ወጠጦን ሓሙሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሀብዎም

10. እቲ ኣገልግሎት ከኣ ከምዚ ኢሉ ተዳለወከም ትእዛዝ ንጉስ ድማ ካህናት ኣብ ስፍራኦምሌዋውያንውን ኣብ ክፍልታቶም ቈሙ

11. ፋስጋ ኸኣ ሐረዱ እሞ፡ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢዶም እናተቐበሉ ይነስጉ ነበሩ፡ እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ይጠብሑ ነበሩ።

12. ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኬቕርቡሉ፡ ነቶም ናይ ደቂ ህዝቢ ኽፍልታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ኪዕድልዎም፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገበሩ

13. ነቲ ፋስጋ ድማ ከምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፡ ነቲ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ብቚራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉንዂሎም ደቂ እቲ ህዝቢ ቐልጢፎም ይዕድልዎም ነበሩ፡

14. ደሓር ድማ ንርእሶምን ንኻህናትን ኣዳለዉእቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ብምዕራግ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ስብሒታትን ክሳዕ ለይቲ ዐየዩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ሌዋውያን ንርእሶምን ንኻህናት ደቂ ኣሮንን ኣዳለዉ

15. እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፡ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን የዱቱን ናይ ንጉስ ረኣይን ዝሰርዕዎ፡ ኣብ ስፍራኦም ቈሙ፡ እቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ኣብ ደደጊኦም ቈሙ። ንኣታቶም እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ኬግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ።

16. ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ዮስያስ ድማ በዓል ፋስጋ ኺግበር ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄርውን ዚሐርር መስዋእቲ ኺዐርግን በታ መዓልቲ እቲኣ ዂሉ እቲ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ተዳለወ

17. ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብኡ እተርኽቡ ደቂ እስራኤል በታ ጊዜ እቲኣ በዓል ፋስጋ ገበሩ፡ በዓል ቅጫውን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዐሉ።

18. ኣብ እስራኤል ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ጀሚሩከምዚ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋስጋ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምዚ ዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ይሁዳን ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤልን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ዘብዐልዎ ፋስጋ ካብ ኲሎም ነገስታት እስራኤል ሓደ እኳ ኸምኡ ኣይገበረን።

19. እዚ በዓል ፋስጋ እዚ ንግዝኣት ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ተገብረ

20. ድሕሪዚ ዂሉ ዮሳያስ ነቲ ቤት መቕደስ ምስ ኣዳለዎኔኮ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኬርከሚሽ ጥቓ ኤፍራጥስ ኪዋግእ ተላዕለ፡ ዮስያስ ከኣ ኪገጥመሉ ወጸ

21. ንሱ ግና ልኡኻት ሰዲዱ በሎ፡ ኣታ ንጉስ ይሁዳ፡ ምሳኻ እንታይ አሎኒ፧ ናብታ እትዋግኣኒ ዘላ ቤት ደኣ እየ እምበር፡ ሎሚ ኣይናባኻን እየ ዝመጽእ ዘሎኹ። ኣምላኽ ድማ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ እዩ፡ ንሱ ኸየጥፍኣካስ፡ ምስቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምቅዋምካ ግደፎ

22. ዮስያስ ግና ገጹ ኻብኡ ኣይመለሰን፡ ኤረ ምስኡ ኺዋጋእ ደኣ ኽድውንቱ ለወጠ፡ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጾ ዘረባ ኔኮ ኸኣ ኣይሰምዖን። ኣብ ለሰ መጊዶ ድማ ኪዋጋእ መጸ

23. እቶም ወርወርቲ ኸኣ ንንጉስ ዮስያስ ወግእዎእቲ ንጉስ ድማ ንገላዉኡብርቱዕ ተወጊኤ እየ እሞ፡ ካብዚ ኣውጽኡኒበሎም

24. ሽዑ እቶም ገላዉኡ ኻብቲ ሰረገላ ኣውሪዶም ኣብቲ ዝነበሮ ኻልኣይ ሰረገላ ኣሕለፍዎ፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ ኣብጽሕዎሞተ ድማ፡ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐብረብዘለዉ ይሁዳን የሩሳሌምን ከኣ ንዮስያስ ሐዘኑሉ

25. ኤርምያስ ድማ ንዮስያስ ኣልቀሰሉ፡ ኲሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ መልቀሶም ብዛዕባ ዮስያስ ይዛረቡ አለዉ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ንስርዓት ገበርዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ልቕሶ ተጽሒፉ አሎ።

26-27. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተጽሒፉ ዘሎ ናይ ለውሃት ተግባሩን፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ነገሩ ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ አሎ።