1. ዮሳፋጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ። ምስ ኣከኣብ ከኣ ተዋሰበ

2. ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ናብ ኣከኣብ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣከኣብ ድማ ንእኡን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣላሕምን ሓረደሎም። ናብ ራሞት-ጊልዓድ ምስኡ ኺድይብ ከኣ ሓባበሎ።

3. ሽዑ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፣ ናብ ርሞት-ጊልዓድ ምሳይ ክትከይድዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፣ ኣነ ኽማኻ እዩ፣ ህዝበይ ከኣ ከም ህዝብኻ እዩናብቲ ውግእውን ምሳኻ እኸይድ፣ በሎ።

4. ዮሳፋጥ ግና ንንጉስ እስራኤል፣ በጃኻ፣ ሎሚ ንቓል እግዚኣብሄር ደኣ ሕተት፣ በሎ

5. ሽዑ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያትኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣኪቡ፣ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይስ ክተርፍበሎም። ንሳቶም ከኣ፣ ደይብ ደኣ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፣ በሉ

6. ዮሳፋጥ ከኣ፣ ገናዶ እንሓቶ ነብዪ እግዚኣብሄር ኣብዚ አልቦን፧ በለ

7. ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፣ ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንሓቶ ገና ሓደ ሰብኣይ እባ አሎ፣ ንሱ ኸኣ ሚክያስ ወዲ ዪምታ እዩ። ግናኸ ንሱ ንኣይ ኵሉሳዕ ክፉእ እምበር፣ ጽቡቕ ኣንበየለይን እዩ፣ ኣነ እጸልኦ እየበሎዮሳፋጥ ግና፣ ንጉስ ከምኡ ኣይዛረብ፣ በለ

8. ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ስሉብ ጸዊዑንሚክያስ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮመለ

9. እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ዘዝፋኖም ተቐመጡ፣ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነብያት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኖም ይንበዩ ነበሩ።

10. ጼድቅያስ ወዲ ከናዓና ኸኣ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑእግዚኣብሄርንሶርያዉያን ክሳዕ ዚውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ፣ ይብል አሎ፣ በሎ

11. ኵሎም ነብያት ድማ ከምኡ፣ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ፣ ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።

12. እቲ ንሚክያስ ኪጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፣ እንሆ፣ እቶም ነብያት ከም ሓደ ኣፍ ኰይኖም ነቲ ንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ አለዉ፣ ዘረባኻ ድማ፣ በጃኻ፣ ከም ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ ጽቡቕ ተዛረብ፣ ኢሉ ተዛረቦ

13. ሚክያስ ግና፣ እቲ ኣምላኸይ ዚብሎ ንእኡ ኸም ዝዛረቦህያው እግዚኣብሄር እዩበሎ

14. ናብ ንጉስ ምስ መጸ ድማ፣ እቲ ንጉስ፣ ኣታ ሚክያስ፣ ንራሞት ጊልዓድ ኬድናዶ ኽንዎጋእ ወይድ ክተርፍበሎ። ብሱ ኸኣ፣ ደይብኪቐንዓካ ድማ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ኪወሀቡ እዩም፣ መሎ።

15. እቲ ንጉስ ድማ፣ ብስም እግዚኣብሄር ሓቂ ጥራይ እምበር፣ ካልእ ከይትዛረበኒ፣ ኣነ ክንደይ ሳዕ ከምሕለካ እየ፧ በሎ

16. ንሱ ኸኣ በለንብዘለዉ እስራኤል ጓሳ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ርኤኽዎምእግዚኣብሄር ድማ፣ እዚኣቶም ጐይታ የብሎምንነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ፣ በለ።

17. እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፣ እዚ ንኣይ ክፉእ እምበር፣ ጽቡቕሲ ኣይንበየለይን እዩዶ ኣይበልኩኻንበሎ

18. ሚክያስ ድማ በለ፣ ስለዚ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ብዘሎ ሰራውዊት ሰማይ ከኣ ብየማኑን ብጸጋሙን ቈይሞም ርኤኹ

19. እግዚኣብሄር ድማ፣ ንኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ኣብኣ ኺወድቕሲመን ይሓባብሎበለሽዑ ሓደ ከምዚ በለሓደ ድማ ከምቲ በለ።

20. ሽዑ ሓደ መንፈስ ወጸኣብ ቅድሚ እግዚኣሄር ደው ኢሉ ድማ፣ ኣነ ኽሓባብሎበለ። እግዚኣብሄር ከኣ፣ ብምንታይ ጌርካ፧ በሎ

21. ንሱ ድማ፣ ወጺኤ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነብያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ፣ በለእግዚኣብሄር ከኣ፣ ንስኻስ ትሓባብሎ ኢኻ፣ ትኽእሎ ድማ፣ ወጺእካ ኸምኡ ግበር፣ በሎ።

22. ሕጂ ድማ፣ እንሆ፣ ኣብ ኣፍ እዞም ነብያትካ እዚቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ሂብዎም አሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸኣ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ አሎ።

23. ሽዑ ጼድቅያስ ወዲ ከናዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ኣብ ምዕጉርቱ ጸፍዖ እሞ፣ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄርሲ ንዓኻ ኺዛረብ በየናይ መገዲ እዩ ኻባይ ዝሓለፈበሎ

24. ሚክያስ ከኣ፣ እንሆልካ፣ በታ ንምሕባእ ካብ ውሻጠስ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ ክትርኢ ኢኻ፣ በለ

25. እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ በለንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ምለስዎ

26. በሉ ኸኣንጉስ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፣ ነዚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎእንጌራ መከራን ማይ መከራን ከኣ መግብዎ።

27. ሚክያስ ድማ መለሰሉ፣ ብሰላም እንተ ተመሊስካእግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን እዩ። ኣቱም ህዝብታት፣ ኵላትኩም ስምዑ፣ ከኣ በለ

28. ከምኡ ኸኣ እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ

29. እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥኣነ ኽዳውንተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፣ ንስኻ ግና ክዳውንትኻ ተኸከንበሎእቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ክዳውንቱ ለዊጡ ናብ ውግእ ኣተወ።

30. እቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ንሓላቑ ሰረገላታቱንንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፣ ምስ ንእሽቶ ዀነ ምስ ዕብዪ ኣይትዋግኡኢሉ ኣዘዞም

31. ኰነ ድማ፣ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረአይዎንሱ ንጉስ እስራኤል እዩ፣ በሉኪዋግእዎ ኸኣ ናብኡ ዞሩ። ዮሳፋጥ ግና ጨርሔእግዚኣብሄር ድማ ረድኦ፣ ኣምላኽ ከኣ ካብኡ ኣግለሶም

32. ኰነ ድማ፣ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረኣዩካብ ምስጓጉ ተምልሱ

33. ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ፣ ነቲ ንጉስ እስራኤል በታ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። ሽዑ ንሱ ነቲ ብዓል ሰረገላተወጊኤ እየ እሞኢድካ ምለሳ፣ ካብዛ ሰልፊ ኣውጽኣኒበሎ

34. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዔእቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን ኰይኑ ኽሳዕ ምሸት ኣብቲ ሰረገላ ደው ኢሉ ነበር። ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ ሞተ