1. ኣማስያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።

2. ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ግናኸ ብምሉእ ልቡ ኣይኰነን።

3. ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም

4. ግናኸ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ብሰሪ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን

5. ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደው ኣበሎም፡ ንብዘላ ይሁዳን ብንያምን መምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ከኣ ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘጸሮምኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ዚወጹ ዘበሉ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ከም ዝዀኑ ረኸቦም

6. ብሚእቲ ታለንት ብሩር ገይሩ፡ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ

7. ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ናብኡ መጺኡ በሎ፡ ዎ ንጉስእግዚኣብሄር ምስ እስራኤል፡ ምስ ብዘለዉ ደቂ ኤፍሬም ኣይኰነን እሞ፡ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ

8. ክትከይድ እንተ ደሌኻ ግና፡ ኪድ። ኣብ ውግእ በርትዕ። ግናኸ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ጸላእቲ ኼውድቐካ እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ንምርዳእ ኰነ ወይ ንምጥፍእ ስልጣን አለዎ።

9. ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በቲ ንጭፍራ እስራኤል ዝሀብክዎም ሚእቲ ታለንትኸ እንታይ ይገበርበሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ ካብኡ ዚበዝሕ እግዚኣብሄር ኪህበካ ይኽእል እዩ፡ በለ

10. ሽዑ ኣማስያ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመጹ ጭፍራ ናብ ስፍራኦም ኪኸዱ ፈለዮም። ግናኸ ቊጥዓኦም ኣብ ይሁዳ ኣዝዩ ተናደደ፡ ብእተናደደ ቚጥዓ ኸኣ ናብ ስፍራኦም ተመልሱ

11. ኣማስያ ድማ ተቢዑ ንህዝቡ ኣውጽኤ፡ ናብ ለሰ ጨው ከይዱ ኸኣ፡ ካብ ደቂ ሰዒር ዓሰርተ ሽሕ ወቕዔ

12. እቶም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ብህይወቶም ሒዞም፡ ናብ ርእሲ ሓንቲ ኸውሒ ኣደየብዎም፡ ካብ ርእሲ እታ ኸውሒ ድማ ንቚልቁል ኣጽደፍዎም፡ ኲሎም ከኣ ተጨፍለቑ

13. እቶም ኣማስያ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይከዱ ዘሰናበቶም ሰባት ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፡ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤት-ሖሮን፡ ሓደጋ ወደቑወን እሞ ኣባታተን ሰለስተ ሽሕ ቀተሉብዙሕ ምርኮውን ማረኹ

14. ኰነ ድማ፡ ኣማስያ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ኪመለስ ከሎ፡ ኣማልኽቲ ደቂ ሰዒር ተማልኤኣማልኽቱ ኪዀኑ ድማ ኣቘሞም፡ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰገደ፡ ዕጣንውን ዐጠነሎም

15. ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ኣማስያ ተናደደ እሞ፡ ሓደ ነብዪ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ህዝቦም ካብ ኢድካ ዘየድሐኑ ኣማልኽቲ እዞም ህዝቢ ዝደሌኻዮምበሎ

16. ኰነ ድማ፡ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ፡ ናይ ንጉስ መኻሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና፧ ግደፍ፡ ንምንታይ ክትቅተል እትደሊ፧ በሎ። እቲ ነብዪ ድማ፡ ምኽረይ ብዘይ ምስማዕካ እዚ ኻብ ገበርካስኣምላኽ ኬጥፍኣካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩኢሉ ገደፎ

17. ሽዑ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ምኽሪ ምስ መኸረ፡ ናብ ዮኣስ ንጉስ እስራኤልወዲ ዮኣሓዝ፡ ወዲ የሁሰዲዱንዓ እሞ ገጽ ንገጽ ንርእኤበሎ

18. ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ግና ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸምዚ በሎ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓልካ ሀቦኢሉ ለኣኸሉ። እቶም ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት መሮር ድማ ሐለፉ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጽዎ

19. እንሆ፡ ንኤዶም ስዒረያ፡ ትብል አሎኻ፡ ልብኻስ ኬኽብረካ ኢሉ ተዐበየ። ሕጂ ኣብ ቤትካ ተቐመጥ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ፡ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ፡ ክትወድቕስ ኣብ መከራ እትኣቱ፧

20. ንኣማልኽቲ ኤዶም ስለ ዝደለይዎም ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኪህቦም መዲቡ ነበረ እሞ፡ በዚ እዩ ኣማስያ ነዚ ዘይሰምዔ

21. ሽዑ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት-ሸመሽ ንገጽ ተራኣኣዩ

22. ግናኸ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕረነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ድንኳኑ ሀደመ

23. ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳወዲ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ድማ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤት-ሸመሽ ሐዞ፡ ናይ የሩሳሌም ከኣ ኣምጽኦንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ

24. እቲ ምስ ዖቤድ-ኤዶም ዝነበረ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝሆ ዚዀኑ ደቅን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ

25. ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮኣስ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሔ።

26. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልንዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧

27. ድሕሪ እታ ኣማስያ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሐቐላ ጊዜ ኣብ የሩሳሌም ማሕላ ተማሓሐሉሉ። ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሀደመደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ልኢኾም ከኣ ኣብኣ ቐተልዎ

28. ኣብ ኣፍራስ ሰቒሎም ወሰድዎ፡ ኣብ ከተማ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ