1. ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ግና ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ

2. እቲ ረኣዪ የሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኪራኸቦ ወጸንንጉስ ዮሳፋጥ ድማ በሎ፡ ንረሲእዶ ኽትሕግዞ፡ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚጸልእዎኸ ኽትፈትዎም ኢኻ፧ በዚ ነገር እዚ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኲራ ኣብ ልዕሌኻ አሎ።

3. ግናኸ ካብዛ ሃገር እዚኣ ንኣስታርተታት ኣርሐቕካ፡ ንልብኻውን ናብ ምድላይ ኣምላኽ መሊስካዮ ኢኻ እሞ፡ ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ አሎ።

4. ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠመሊሱ ኸኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ሒዙ ኽሳዕ ከረን ኤፍሬም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከኣ መለሶም

5. ኣብታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ኩለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳኣብ ከተማ ፈረድቲ ኣቐመጠ

6. ነቶም ፈረድቲውን በሎምነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ።

7. እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን።

8. ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብናይ እግዚኣብሄር ፍርድን ኣብ ባእስን ኪፈርዱ፡ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን ካብቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሾመ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ

9. ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ከምዚ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ብእምነትን ብፍጹም ልብን ዕየዩ

10. ካብቶም ኣብ ከተማታቶም ዚነብሩ ኣሕዋትኩም ብዚመጸኩም ዘበለ ነገር ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፡ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን መዓት ከይመጽእብናይ ደምን ደምን፡ ብናይ ሕግን ትእዛዝን ስርዓታትን ፍርድታትን ምዐድዎም። ከምኡ ግበሩ እሞ በደልቲ ኣይክትኰኑን ኢኹም።

11. እንሆ ድማ፡ በቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘበለ ዂሉ ነገር እቲ ሊቀ ኻህናት ኣማርያ፡ በቲ ናይ ንጉስ ዘበለ ዂሉ ነገርውን እቲ መስፍን ቤት ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም አለዉ። መራሕቲ ድማ፡ እቶም ሌዋውያን፡ ኣብ ቅድሜኹም አለዉ። ጽኑዓት ኩኑ ግበርዎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባር ጽቡቕ ይኹን።