ርድኣኒ ኦ ጎይታ !

Posted on 2015-09-18 · 1015 · 0 · 0

5 resources uploaded

ፈልየ ክፈልጦ እቲ ኽቡር ሓሳብካ
እቲ ቅድሚ ምምስራት ዓለም ዝመደብካዮ ንዓይ ንውሉድካ
ንየማን ንጸጋም ከይብል ክጸንዕ ኣብ ቓልካ
ክተብዕ ልበይ ገጥ ክብል በቲ ጽኑዕ መንፈስካ

ሓልወኒ ከይትንክፍ ርኩስ ነገር፣ ብሂወተይ ከይጻወት ጠላዕ
ከይትጸንሓካ ነፍሰይ ኣብ ሓጢኣት ክትብል ጠንቀላዕላዕ
ርድኣኒ ድኣ ክፈሊዮ ክፈልጦ እቲ ኽቡር ካብ’ቲ ሕሱር
ኽዓቢ ኣብ’ቲ ስሩት መሰረት ክርስቶስ ክሰድድ ሱር

ልምዕቲ ኦም ኮይነ ንብዙሓት ከጽልል ካብ ጸሓይ
ፈውሲ ክርከበኒ ነቶም ዝቆሰሉ ዝብሉ ዋይ ዋይ
ናባካ ብምጥማት የሱሰይ ናብ’ቲ ጀማርን ደምዳምን እምነተይ
ንቅድሚት ክጥሕስ ኩሉ ግዜ እና ረኣኩ'ቲ ዓስቢ ዓወተይ

የዒንተይ ከልዕል ናባካ ክጥምት
ከይተደናበርኩ በዚ ናይዛ ዓለም’ዚኣ ደልሃመት
ክጥሕስ ኹሉ ግዜ ብመንፈስካ
ኣምላኸይ'ኮ ህያው ኢካ!

ሰይጣን'ኮ እንተ ፈተነ ክለዋወ ከም ለዋታን
ደሪኹ እንተ መጸ ትዕግስተይ ንምፍታን
ረከበቶ እታ ሓያል ቅልጽምካ ንምርደአይ ዝኮነት ፈጣን
ንልበይ መሊእካ ምስጋና ከደንካኒ ብሉጽ ክዳን
ንዘልኣለም ዓሪፈ ክነብር እፎይ ኢለ ኣብ’ቲ ናትካ ድንኳን
ንዘልኣለም ዓሪፈ ክነብር እፎይ ኢለ ኣብ’ቲ ናትካ ድንኳን
ሃሌሉያ

0 comments
Other Poem