ሓቂ ንሕሰብ ሓቂ ንዘራረብ!

Posted on 2014-09-05 · 1034 · 0 · 0

5 resources uploaded

ኣይንጠባበር ኣይንሸፋፈጥ ዳግም ዝተወለድና ህዝቢ ኢና
ዝምርምር ዝርኢ መንፈስ ኣሎ ኣብ ውሽጥና
ንኩሉ ክንምርምር ስልጣን ዝሃበና
ስለምንታይ ኢና ኣፋዊ ጠባሪ ናብራ ንነብር ዘለና፧

በጃኹም ኣሕዋተይ ንመለስ ናብቲ ሓቂ
ንሱ ውን የሱስ ምስ ኣቦ ዝሃበና ዕርቂ
ኣይነጉህዮ ነቲ መንፈስ ኣምላኽና
ንጠንቀቅ ንመርምር ኣከያይዳና፧

ንመላለስ ብፍርሓት፣ ብፍቕሪ፣ ብቕድስና
እናጠመትና ነቲ ጀመርን ደምዳምን እምነትና
ንምንታይ የሱስ ክምለስ’ዩ ከም'ቲ ዝበለና
ክንከይድ ናብ'ቲ ዘልኣለማዊ ዕረፍትና
ንቀረብ ንዳሎ ውቃበ ኣምላኽና ኽንርኢ ሃረር እና በልና

ልብና ኣይነውድቅ ኣብዚ ሓላፊ
ኣይንጋፈጥ ኣይንድከም ምስቲ ተራፊ
ንጠምት ድኣ ናብቲ ዓስቢ ዓወት
ንሱ እዩ ጥዑም ዘለዎ መቐረት !
ንሱ እዩ ጥዑም ዘለዎ መቐረት !

0 comments
Other Poem