የሱስ ክምለስ'ዩ

Posted on 2012-11-06 · 1196 · 0 · 2

4 resources uploaded

"ቋሕ እሞ በሉ
ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከምዝጻዕደወት አስተብህሉ
እቲ እኽሊ ብዙሕ'ዩ
ዓየይቲ ግና ሒደት
ስለዚ ነቲ ጎይታ እኽሊ ዋና ግራት
ንእኽሉ ዓየይቲ ክልእኽ ለምንዎ
ዓየይቲ ወስኸና በልዎ"
ጎይታ ነዚ ቃል'ዚ ካብ ዝነግር
ብናይ አምላኽ ግዜ ቀመር
ክልተ መዓልቲ ጌሩ'ሎ
ክልተ ሽሕ ዓመታት በዚ ዘሎ
እንተኾነ
እንሆ ሕጂ'ውን እቲ እኽሊ ብብዙሑ
በብዓይነቱ አዝርእቲ መሊኡ'ሎ ግርሁ
ከምቲ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት
"ንጋል ጽዮን እንሆ ንጉስኪ
ይመጸኪ'ሎ ተወጢሑ አብ ጻዕብ አድጊ"
በልዋ ዝብል ጽሑፍ ምስተፈጸመ
እቶም ህዝቢ ክዳውንቶም አብቲ ጻዕብ ጠይቖም
ገሊኦም'ውን አብ ምድሪ አንጺፎም
ካብ አእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም
"ሆሳእና ንወዲ ዳዊት
ሆሳእና አብ አርያም
ብስም እግዚአብሄር ዝመጽእ ብሩኽ'ዩ!!" እናበሉ
ብመዝሙርን ዕልልታን ዝተቐበልዎ
ከምኡ ካአ ሎሚ
ከምቲ መርዓዊ ክመጽእ ከሎ
ኩሉ ህዝቢ ብኸቦሮን ዕልልታን ዝቕበሎ
እቲ መርዓዊ ምምላሱ ዝእንፍት
ካብ ኩሉ ናይ ዓለም ኩርናዓት
ደሃይ መዝሙርን ዕልልታን የጋውሕ አሎ
ወንጌል አምላኽ አብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ አሎ
የሱስ ንጉስ ዘልአለም ክምለስ'ዩ ይበሃል አሎ
ምጽአቱ ካአ
ከምቲ በርቂ አብ ምብራቕ በሪቑ
አብ ምራብዕ ዝርአ ብድምቑ
ከምኡ ክኸውን እዩ
ስለዚ
ከምተን ለባማት ደናግል
ጢናና ብዘይቲ ንምለኣዮ
እዚ ዘለናዮ ግዜ እዋኑ ነለልዮ
ምህርትና ንሕፈስ ቆፎፉና ንምላእ
ኣይክድንጉን'ዩ ወዲ ኣምላኽ ክመጽእ
የሱስ ክምለስ'ዩ
ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ክመጽእ'ዩ
ሆሳእና ንየሱስ ሆሳእና ኣብ ኣብ ኣርያም
ንንጉስ ክብሪ ንንጉስ ዘልኣለም

2 comments

ተባረኽ ሚኪ......

· 2012-11-09
Blessed Brother tedi,,,,
Other Poem