ብጽድቂ ምጽናዕ

Posted on 2012-01-13 · 3317 · 68 · 1 · 3

107 resources uploaded

እዛ "ብጽድቂ ምጽናዕ" እትብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ መሰረታዊ ሓሳባ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 54፣14 ዘሎ “ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ” ዚብል ኮይኑ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትናን ኣነባብራናን ጽድቂ ኣምላኽ ክንግንዘብ ንምሕጋዝ ዝዓለመት እያ። ኣብቲ ጽድቂ ኣምላኽ ዚረኣየሉ ኣኻይዳ ክንጸንዕ፣ ነቲ ጽድቂ ኣምላኽ ዘይብሉ ድማ ካብ ህይወትና ከነወግዶ ትምህረና። በዚ ኸምዚ ምስቲ ኣምላኽ ክንኮኖ ዚደልየና እናተሰማማዕና፣ ብጽድቂ ኣምላኽ ክንዓቢ ክንጸንዕ ሓቢርና ክንጎዓዝ ኢና።
እተን ኣብዚ መጽናዕቲ እንርእየን ሸውዓተ ኣርእስታት እዘን ዚስዕባ እየን፣-
1. ቀዳምነት ንኣምላኽ
2. ስድራቤት ኣምላኽ
3. ወንጌል መንግስቲ
4. ሓሳብ ኣምላኽ ምህላው /ራእይ/
5. ብክርስቶስ ዘሎካ መንነት /ዕንቅፋታት ምስዓር/
6. ጥዑይ ስድራቤት
7. ፍጻሜኻ ምጽባቕ
ነዙ ንግባር ካብ ነፍሲ ወከፍና ዚድለ ነገር እንተሃልዩ እዚ ዚስዕብ እዩ፣-
1. ሕብረት ዝያዳ ንርእስና ዚጠቅም ስለዝኾነ ከየብኮርና ነቲ ትምህርቲ ክንከታተሎ።
2. ኣብቲ ዚግበር ምዝርራብ ኩሉ ነፍሲ ወከፍና ክንሳተፍ።
3. ዝያዳ ንሕብረትና ዚጠቅም ሕቶታትን ሓሳባትን ከነቕርብ ክንጋደል።
4. ደሃይ ሓድሕድና ክንገብር በዚ ድማ ንኣምላኽ ባህ ከነብሎ።
ሰናይ መጽናዕቲ፣ ኣምላኽ ምስ ሕብረትኩም ይኹን!!

3 comments

· 2015-10-22
ኣሜን!

· 2012-06-01
ጎይታ የሱስ የባርክኩም

አገዳሲ ትምህርትታት ዝሓዘት ኣያ።
Other Bible_study