1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸ፣

2. ኣነ ብጽዮም ዓብዪ ቕንኢ ቐኒኤ አሎኹ፣ ብዓብዪ ቝጥዓውን ቀኒኤላ አሎኹ፣ ይብል እዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

3. ኣነ ናብ ጽዮንክምለስ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ከኣ ክነብር እየ። የሩሳኬም ድማ ከተማ ሓቂ ኽትስመ፣ እቲ ኸረን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ቅዱስ ከረን ክስመ እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር

4-5. ኣረገውቲ ሰብኡትን ኣረገውቲ ኣንስትን ገና ኣብ ኣደባባያት የሩሳሌም ኪቕመጡ እዮም፣ ዕድሚኦም ስለ ዝነውሐ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፎም መምርኩሱ ኣብ ኢዱ ኺሕዝ እዩ። ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ በቶም ኣብተን ኣደባባያታ ዚስሕቑ ኣወዳትን ኣዋልድን ኪመልኣ እየን፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

6. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ በተን መዓልትታት እቲኣተን ነዒንቲ ተረፍ እዚ ህዝቢ እዚ ዜደንቕ እንተ ዀነስ፣ ነዒንተይዶ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

7-8. እንሆ፣ ካብ ሃገር ምብራቕን ካብ ሃገር ምዕራብን ንህዝበይ ከድሕኖም እየ። ከምጽኦም እየ እሞ፣ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ኪነብሩ እዮም፣ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ ኸኣ ብሓቅን ብጽድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

9. ኣቱም በዘን መዓልታት እዚኣተን፡ እቶም ቤት መቕደስ ምእንቲ ኽትህነጽሲ መሰረት ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተሰረተትላ መዓልቲ ኣብኣ ዚነብሩ ነብያት እትዛረብዎ፡ ካብ ኣፎም እዘን ቃላት እዚኤን እትሰምዑ ዘሎኹም፡ ኣእዳውኩም ኣጽንዑይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

10. ቅድሚ እዘን መዓልታት እዚኣተን ውዕለት ሰብን ውዕለት እንስሳን ኣይነበረንንዅሉ ሰብ ኣብ ንሓድሕዱ ፈንየዮ እየ እሞ፣ ብሰሪ ጸላኢ ነቲ ዚወጽእን ዚኣቱን ሰላም ኣይነበረን።

11-12. ዘርኢ ሰላም ኪኸውን እዩ፡ ወይኒ ፍሬኣ ኽትህብ እያ፡ ምድሪ ኸኣ ብቝላ ኽትህብሰማያት ድማ ጠሎም ኪህቡ፡ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢውን እዚ ዅሉ ኸረስትዮም እየ እምበር፡ ሕጅስ ነቶም ተረፍ እዚ ህዝቢዚ ኸምቲ በተን ቀዳሞት መዓልትታት ዝነበርክዎ ኣይክዀኖምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

13. ኪኸውን ድማ እዩ፣ ኣቱም ቤት ይሁዳን ቤት እስራኤልን፣ ከምዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ መርገም ዝዀንኩም፣ ከምኡ ኸድሕነኩም እየ፣ በረኽትውን ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣይትፍርሁ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ

14-15. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ከምቲ ኣቦታትኩም ምስ ኣቘጥዑኒ ኽፉእ ክገብረኩም ዝሐሰብክዎ እሞ ዘይተጠዐስኩሉ፣ ከምኡውን በዘን መዓልትታት እዚኣተን ንየሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ሰናይ ክገብረለን ከም ብሓድሽ ሐሲበ አሎኹ፣ ኣይትፍርሁ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

16. እቲ ኽትገብርዎ ዝግብኣኩም ነገርሲ እዚ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ነንብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ፣ ኣብ ደጌታትኩም ፍርዲ ሓቅን ሰላምን ፍረዱ

17. ካባኽትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉማሕላ ሓሶት ኣይትፍትወኡ፣ ነዚ ዅሉ እጸልኦ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር

18. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ መጸኒ፣

19. እቲ ጾም ናይ ራብዓይ ወርሕን እቲ ጾም ናይ ሓምሳይን እቲ ጾም ናይ ሳብዓይን እቲ ጾም ናይ ዓስራይ ወርሕንሲ ንቤት ይሁዳ ሓጐስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን ኪዀነሎም እዩ፣ እምብኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

20. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ህዝብታትን ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዚነብሩን ገና ኪመጹ እዮም።

21. ኣብታ ሓንቲ ዚነብሩ ናብታ ኻልእ ኪኸዱ እዮም እሞ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንምህለልሲንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ክንደሊ ንኺድ፣ ኣነውን ክኸይድ እየ፣ ኪብሉ እዮም።

22. ብዙሓት ህዝብታትን ሓያላት ኣህዛብን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ የሩሳሌም ኪደልይዎ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኪምህለሉስ ኪመጹ እዮም።

23. በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓድ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞምእግዚኣብሄር ምስኻትክም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ፣ ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና፣ ኪብሉ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት