1. ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ ዝነበሮ ሰብኣይ ርኤኹ

2. ኣነ ኸኣ፣ ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘሎኻ፡ በልኩ። ንሱውን፣ ንየሩሳሌም ምግፍሓን ምንውሓን ክንደይ ከም ዝዀነ ኽርእስክልክዓ እየ፣ በለኒ

3. እንሆ ኸኣ፣ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበር መልኣኽ ወጸ፣ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪጓነፎ ወጸ

4-5. ንሱ ኸኣ፣ ጉየ፣ ነዚ ጐበዝ እዚየሩሳሌምሰብን እንስሳን ኣብ ማእከል ስለ ዝበዝሑ፣ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፣ እግዚኣብሄርውን፣ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፣ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፣ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮበሎ

6. እግዚኣብሄር፣ ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት በቲነኩም እየ፡ ትብል አሎ እሞ፡ ተንስኡ ተንስኡ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙይብል እግዚኣብሄር።

7. ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ጽዮንኣምልጢ

8. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስመርዓት ዓይነኡ እዩ ዚትንኪ እሞ፣ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመቱኹም ኣህዛብ ለኣኸኒ

9. እንሆ፣ ኣነ ኢደይ ከልዕለሎም እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ግዙኣቶም ዝነበሩ ዘመተ ኪዀንዎም እዮም፣ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።

10. ኣቲ ጓል ጽዮን፣ እንሆ፣ እመጽእ አሎኹ፣ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክነብር እየ እሞ፣ እልል በሎ ተሐጐሲውንይብል እግዚኣብሄር

11. በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ኪሐብሩህዝበይ ከኣ ኪዀኑ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ፣ ንስኺውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኺ ኸም ዝለአኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።

12. እግዚኣብሄር ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንይሁዳ ኸም ግዲኡ ኺርስተያንየሩሳሌም ከኣ ገና ኺሐርያ እዩ።

13. እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይብል።