1. ኣዒንተይ ኣልዐልኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ኢዱ ገመድ መለክዒ ዝነበሮ ሰብኣይ ርኤኹ።
2. ኣነ ኸኣ፣ ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘሎኻ፡ በልኩ። ንሱውን፣ ንየሩሳሌም ምግፍሓን ምንውሓን ክንደይ ከም ዝዀነ ኽርእስ፣ ክልክዓ እየ፣ በለኒ።
3. እንሆ ኸኣ፣ እቲ ዚዛረበኒ ዝነበር መልኣኽ ወጸ፣ ካልእ መልኣኽ ድማ ኪጓነፎ ወጸ።
4-5. ንሱ ኸኣ፣ ጉየ፣ ነዚ ጐበዝ እዚ፣ የሩሳሌም፣ ሰብን እንስሳን ኣብ ማእከል ስለ ዝበዝሑ፣ ከም ብዘይ መካበብያ ዘላ ኸተማ ኽትነብር እያ፣ እግዚኣብሄርውን፣ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ክዀነላ፣ ኣብ ማእከላውን ንኽብሪ ክኸውን እየ፣ ይብል አሎ ኢልካ ንገሮ፣ በሎ።
6. እግዚኣብሄር፣ ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት በቲነኩም እየ፡ ትብል አሎ እሞ፡ ተንስኡ ተንስኡ፡ ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7. ኣቲ ምስ ጓል ባቢሎን እትነብሪ ጽዮን፣ ኣምልጢ።
8. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እቲ ንኣኻትኩም ዚትንክስ፣ መርዓት ዓይነኡ እዩ ዚትንኪ እሞ፣ ስለ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመቱኹም ኣህዛብ ለኣኸኒ።
9. እንሆ፣ ኣነ ኢደይ ከልዕለሎም እየ፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ግዙኣቶም ዝነበሩ ዘመተ ኪዀንዎም እዮም፣ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም።
10. ኣቲ ጓል ጽዮን፣ እንሆ፣ እመጽእ አሎኹ፣ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክነብር እየ እሞ፣ እልል በሎ ተሐጐሲውን፣ ይብል እግዚኣብሄር።
11. በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ህዝብታት ናብ እግዚኣብሄር ኪሐብሩ፣ ህዝበይ ከኣ ኪዀኑ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኽነብር እየ፣ ንስኺውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኺ ኸም ዝለአኸኒ ኽትፈልጢ ኢኺ።
12. እግዚኣብሄር ኣብታ ቅድስቲ ሃገር ንይሁዳ ኸም ግዲኡ ኺርስተያ፣ ንየሩሳሌም ከኣ ገና ኺሐርያ እዩ።
13. እግዚኣብሄር ካብቲ ቅዱስ ማሕደሩ ተንሲኡ እዩ እሞ፣ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣብ ቅድሚኡ ስቕ ይብል።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...