1. ብጊዜ ጽብሓት ካብ እግዚኣብሄር ዝናም ለምኑ፣ እቲ መባርቕ ዚገብር እግዚኣብሄር ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ሳዕሪ ኣብ ግራት ሰርቢ ዝናም ኬዝንመሉ እዩ።

2. እቶም ጣኦታት ቤት ከንቱ ይዛረቡ፣ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ሓሶት ይርእዩሕልሚ ሓሶት ይነግሩብኸንቱውን የጸናንዑ። ስለዚ ኸም ኣባጊዕ ተባረሩ፣ ጓሳ የብሎምን እሞ፣ ተጨነቑ

3. ኵራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ጓሶት ነደደ፡ ኣነውን ነቶም ድቤላታት ክቐጽዖም እየ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንመጓሴኡ ቤት ይሁዳ ዘኪርዎ እዩ እሞ፡ ኣብ ውግእ ከም ፈረስ ክብሩ ኽገብሮም እዩ።

4. እቲ እምኒ ዅርናዕ ካብኡ፡ መትከል ካብኡ፡ ቀስቲ ውግእ ካብኡ፡ ኵሎም ጭቈንቲ ሓቢሮም ኻብኡ ኺወጹ እዮም።

5. ኣብ ውግእ ከምቶም ንጸላእቶም ኣብ ጭቃ መገዲ ዚረግጹ ጀጋኑ ኪዀኑ፣ እግዚኣብሄር ምስኦም እዩ እሞ፣ ኪዋጋኡ እዮም፣ እቶም ኣብ ኣፍራስ እተወጥሑ ኸኣ ኪሐንኩ እዮም።

6. ኣነ ኸኣ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዓ፡ ንቤት ዮሴፍ ድማ ከድሕና እየ። ራሕሪሐልም እየ እሞ፡ ክመልሶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ፡ ክሰምዖም ከኣ እየ እሞ፡ ከም ዘይወገድክዎምውን ኪዀኑ እዮም።

7. ኤፍሬም ከም ጅግና ኪዀኑ እዮም፣ ልቦም ድማ ከም ብወይኒ ኺሕጐስ እዩ፣ ደቈም ከኣ ኪርእይዎን ኪሕጐሱን እዮም፣ ልቦም ብእግዚኣብሄር እልል ኪብል እዩ።

8. ኣነ ተበጅየዮም እየ እሞ፣ ከፋጽየሎምን ክእክቦምን እየ፣ በዚሖም ከም ዝነበሩ ኸኣ ኪበዝሑ እዮም።

9. ኣብ ህዝባታት ክዘርኦም እየ፣ ኣብ ርሑቕ ድማ ኪዝክሩኒ እዮም፣ ምስ ደቆምውን ብህይወት ኪነብሩን ኪምለሱን እዮም።

10. ካብ ሃገር ግብጺ ኽመልሶም፣ ካብ ኣሶር ድማ ክእክቦም፣ ናብ ሃገር ጊልዓድን ሊባኖስን ከምጽኦም እየ፣ ዚኣኽሎም ቦታ ኸኣ ኣይኪርከብን እዩ።

11. ንሱ ብባሕሪ ጸበባ ኺሐልፍንማዕበላት ኣብ ባሕሪ ኺወቕዖ እዩ፣ ኵሉ መዓሙቝ እቲ ርባ ኸኣ ኪነጽፍ እዩ። ትዕቢት ኣሶር ኪዋረድ፣ ዘንጊ ግብጺውን ኪርሕቕ እዩ።

12. ብእግዚኣብሄር ከበርትዖም እየ፣ ንሳቶምውን ብስሙ ኺመላለሱ እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር