1. እስራኤልንኣምላኽካ ሐዲግካ መንዚርካ፣ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢካ እሞ፣ ከም ህዝብታት ክሳዕ እልልታ ኣይትተሐጐስ

2. ዓውድን መጽሙቝ ወይንን ኣይቅልቦምን፣ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ይጠልሞም

3. ንሳቶም ኣብ ሃገር እግዚኣብሄር ኣይነብሩንኤፍሬምሲ ናብ ግብጺ ደኣ ይምለስ፣ ኣብ ኣሶር ድማ ርኹስ ብልዒ ይበልዑ

4. ንእግዚኣብሄር ወይኒ ኣየፍስሱንመስዋእቲ ሕሩዶም ከኣ ባህ ኣየብሎን፣ ንኣታቶም ከም እንጌራ ሓዘን ይዀኖም፣ ካብኡ ዚበሎ ዘብለ ዅሉውን ይረክስእንጌራኦም ንርእሶም እዩ እሞል ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን

5-6. እንሆል፡ ንሳቶም ብሰሪ ምዕናው ከዱግብጺ ትእክቦምሞፍ ድማ ትቐብሮም፡ ነቲ ኽቡር ብሩሮም ተዀርባ ይወርሶ፡ ኣብ ድንኳናቶም ከኣ እሾዅ እዩ እሞ፡ ብመዓላቲ ዓብዪ በዓልን ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧

7. መዓልትታት ቅጽዓት መጻ፣ መዓልትታት ፍዳ መጻ፣ እስራኤል ይፈልጦ እዩ፣ ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዕቤት ጽልእን ነብዪ ዐሸወ፣ እቲ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ዐበደ

8. ሓላዊ ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ነበረ፣ ነቲ ነብዪ ኣብ ኵሉ መገዱ መፈንጥራ ኣዕዋፍ ይረኽቦ፣ ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ አሎ።

9. ከምቲ ብመዓልትታት ጊብዓ ዝዀነ፣ ኣዕሚቖም ተበላሸዉ። ንሱ ኣበሳኦም ይዝክርሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ

10. ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ረኽብክዎነቦታትኩም ከምቲ ኣብ እትብኰር ኦም በለስ ዘሎ ቀዳማይ ፍረ ርኤኽዎም። ንሳቶም ናብ በዓል-ጴኦር ኣተወንነውሪ ኸኣ ተፈልዩ፡ ከምቲ ዝፈተውዎ ድማ ፍንፉናት ኰኑ።

11. ክብረት ኤፍሬም ከም ዑፍ ኪነፍር እዩ፣ ድሕርዚ ሕርስን ድቅን ጥንስን የብሎምን።

12. ደቆም እንተ ኣዕበዩ ድማ፣ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፎም ውሉድ ዜብሎም ክገብሮም እየ፣ እወ፣ ኣነ ካባታቶም ምስ ዝርሕቕ ወይለኦም

13. ኤፍሬም ከምታ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እተተኽለት ጢሮስ ኰይኑ ርኤኽዎ፣ ግናኸ ኤፍሬምሲ ንደቁ ናብ ቀታሊ የውጽኦም

14. እግዚኣብሄርሀቦም። እንታይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጢብን ሀቦም

15. ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ጊልጋል እዩ፡ ኣነ ኣብኡ ጸላእክዎም፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብሮም ከኣ ካብ ቤተይ እሰጎምድሕርዚ ኣየፍቅሮምን እየ፡ ኵሎም መሳፍንቶም ዓለወኛታት እዮም።

16. ኤፍሬም ተወቕዔሲሮም ነቐጸትፍረ ኣይፈርዩን፣ እንተ ወለዱ እኳ፣ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።

17. ስለ ዘይሰምዕዎኣምላኸይ ይድርብዮም፣ ንሳቶምውን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኰብለልቲ ይዀኑ።