1. እግዚኣብሄር ከኣ፡ መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዚምለሱን ቅጫ ዘቢብ ዚፈትዉን ደቂ እስራኤል ዘፍቅራ፡ ፈታዊእ ዚፈትዋ ኣመንዝራ ሰበይቲ ፍቶ፡ በለኒ።
2. ኣነ ኸኣ ብዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ብሩርን ብሆመር ስገምን ብለተክ ስገምን ንኣይ ዐደግክዋ።
3. ብዙሕ መዓልትታት ተጸበይኒ፣ ኣይትመንዝሪ፣ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፣ ኣነውን ከምኡ ኽገብረልኪ እየ፣ በልክዋ።
4. ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፎድን ተራፊምን ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም።
5. ደሃር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ኪደልዩ ኺምለሱ፣ በተን ዳህሮት መዓልትታት ብግርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ኪመጹ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...