1. እግዚኣብሄር ከኣ፡ መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዚምለሱን ቅጫ ዘቢብ ዚፈትዉን ደቂ እስራኤል ዘፍቅራ፡ ፈታዊእ ዚፈትዋ ኣመንዝራ ሰበይቲ ፍቶበለኒ

2. ኣነ ኸኣ ብዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ብሩርን ብሆመር ስገምን ብለተክ ስገምን ንኣይ ዐደግክዋ

3. ብዙሕ መዓልትታት ተጸበይኒኣይትመንዝሪ፣ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፣ ኣነውን ከምኡ ኽገብረልኪ እየ፣ በልክዋ

4. ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፎድን ተራፊምን ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም።

5. ደሃር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ኪደልዩ ኺምለሱ፣ በተን ዳህሮት መዓልትታት ብግርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ኪመጹ እዮም።