1. እስራኤል ብዙሕ ዝጨናፍሩን ብዙሕ ፍረ ዚፈርን ወይኒ እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍሬኡ መሰውኢታት ኣብዝሔ፣ ከም መጠን ምጽባቕ ሃገሩ ሓውልትታት ኣጸበቐ

2. ልቦም ተመቕለ፣ ሕጂ ገበነኛታት ኰይኖም ተረኽቡ። ንሱ ንመስውኢታቶም ይሰባብሮንሓወልትታቶም ከኣ ሐሸምሸም የብሎ።

3. ኤረ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህናዮን እሞ፣ ንጉስ የብልናን፣ ንጉስከ እንታይ ኪገብረልና እዩ፡ ይብሉ

4. ዘረባ ይዛረቡብሓሶት ይምሕሉኪዳን ይኣትዉ፡ ስለዚ ፍርዲ ኸም መርዛም ሰዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ይበቍል

5. እቶም ኣብ ሰማርያ ዚነብሩ ስለ እቲ ብተይ ቤት-ኣዌን ይፈርሁክብረት ኻብኡ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ህዝቢ ንእኡ ይሐዝነሉ፡ እቶም ካህናት ጣኦታት ድማ ስሊኡ የንቀጥቅጡ።

6. ንሱ እኳ፣ ንንጉስ ያሬብ ኪውሀብሲ፣ ናብ ኣሶር ይውሰድኤፍሬም ይሐፍርእስራኤል ከኣ ብምኽሩ ይሐንኽ

7. ሰማርያ ምስ ንጉሳ ኸም ዓፍራ ኣብ ልዕሊ ማይ ትጠፍእ

8. እቲ በረኽቲ ቦታ ኣዌንሓጠኣት እስራኤልውንይጠፍእ፣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢኦም እሾዅን ተዀርባን ይበቍል። ንሳቶም ከኣ ነኽራንክደኑናንዅርባታት ድማ፣ ውደቑናይብልዎም

9. እስራኤል፡ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ገብርካ፡ ንሳቶም ኣብኡ ቘሙ፡ እቲ ኣብ ደቂ ኣበሳ ዝዀነ ውግእ ኣብ ጊብዓ ኣይረኽቦምን እዩ።

10. ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም እየ፡ ኣብቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተኣስሩህዝብታት ንጕድኣቶም ኪእክቡ እዮም።

11. ኤፍሬም መኼዳ ዝለመደት እሞ መኼዳ እትፈቱ ኣርሒ እዩ፣ ኣነ ግና በቲ ጽቡቕ ክሳዳ ሐከፍኩንኤፍሬም ክጸምዶ እየ፣ ይሁዳ ኺሐርስያእቆብውን ኪጕልጕል እዩ።

12. ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእጽድቂ ኸኣ ክሳዕ ዜዝንመልኩምሲንእግዚኣብሄር እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፡ ንኣካትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ፡ ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ።

13. ንስኻ ብመገድኻብብዝሒ ጀጋኑኻ ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ረሲእነት ሓረስኩምኣበሳ ዐጸድኩምፍረ ሓሶት በላዕኩም

14. ከምቲ ብመዕልቲ ውግእ እታ ኣደ ምስ ደቃ ኽትጭፍለቕ ከላ፡ ሳልማን ብቤት-ኣርብኤል ዘጥፍኣ፡ ኣብ ማእከል ህዝብኻ ታዕታዕ ኩለዐል፡ ኵሉ ዕርድታትካውን ኪፈርስ እዩ።

15. ብሰሪ ሕሰም ክፍኣትኩም ቤት-ኤል ከምኡ ይገብረኩም፣ ምድሪ ኽወግሕ ከሎ ድማ፣ ንጉስ እስራኤል ጥራስ ይተፍእ