1. ኣቱም ደቂ እስራኤልቃል እግዚኣብሄር ስምዑሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን እሞ፣ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ ነገር አለዎ።

2. መርገምን ሓሶትን ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ገነነ፣ ደም ንደም ተጻናበረ

3. ስለዚ እታ ሃገር ክትሐዝን፣ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ዅላቶም ምስ ኣራዊት መሮርም ኣዕዋፍ ሰማይን ኬህለልዉዓሳ ባሕሪውን ኪውድኡ እዮም።

4. ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚካታዕ እዩ፣ እምብኣርሲ ሓደ እኵ ኣይካታዕ፣ ሓደ እኳ ኣይግናሕ

5. ንስኻ ብመዓልቲ ኽትወድቕ ኢኻ፣ እቲ ነብዪ ኸኣ ምሳኻ ብለይቲ ኺወድቕ እዩ፣ ኣነውን ነዴኻ ኽድምስሳ እየ።

6. ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካሕን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።

7. ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ክልውጦ እየ።

8. ሓጢኣት ህዝበይ ይቕለብልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ አሎ።

9. እቲ ካህን ከኣ ከምቲ ህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ድማ ብሰሪ ኣካይዳኦም ክቐጾኦምግብሮምውን ክመልሰሎም እየ።

10. ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ሓዲጎም እዮም እሞ፣ ይበልዑ ኣይጸግቡን ከኣ፣ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን ድማ።

11. ምንዝርናን ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ

12. መንፈስ ምንዝርናን ኣስሒትዎም፣ ካብ ኣምላኾም ርሂቖም መንዚሮም እዮም እሞ፣ ህዝበይ ነቲ ዕጨይቲ ይሐትትበትሩውን ይነግሮ

13. ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፣ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ከኣ፣ ኣብ ትሕቲ ኣውሕን ስየን ጽሕድን፣ ጽላሎም ጽቡቕ እዩ እሞ፣ ይዐጥኑ። ስለዚ ኣዋልድኩም ይምንዝራመራዕኹም ድማ ይዝምዋ

14. ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዘ የግልሱ፣ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለዉ እሞ፣ ኣዋልድኩም ምስ መንዘራ መራዕኹምውን ምስ ዘመዋ፣ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ከውድቕ እዩ።

15. ኣታ እስራኤል፣ ንስካ እንተ መዘርካይሁዳ ኣይበድል። ናብ ጊጋል ኣይትእተዉ፣ ናብ ቤት-ኣዌን ድማ ኣይትውጹኡህያው እግዚኣብሄር ኢልኩም ከኣ ኣይትምሐሉ

16. እስራኤል ከም ሕንግድ ኣርሒ ሐጊዱ እዩ እሞ፣ ሕጂ እግዚኣብሄር ከም ዕየት ኣብ ገፊሕ ቡታ ኺጓስዮ እዩ።

17. ኤፍሬም ምስ ታኦታት ሐቢሩ እዩ፣ ሕደጎ

18. ስኽራኖም ይገድድ አሎ፡ ምንዝርና የብዝሑ፡ ሓላቑኣ ኣዝዮም ነውሪ ይፈትዉ አለዉ።

19. ንፋስ በኽናፉ ይኣስራ፡ ንሳቶምውን ብመስዋእቶም ኪሐኩ እዮም።