1. ኣቱም ደቂ እስራኤል፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን እሞ፣ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ ነገር አለዎ።
2. መርገምን ሓሶትን ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ገነነ፣ ደም ንደም ተጻናበረ።
3. ስለዚ እታ ሃገር ክትሐዝን፣ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ዅላቶም ምስ ኣራዊት መሮርም ኣዕዋፍ ሰማይን ኬህለልዉ፣ ዓሳ ባሕሪውን ኪውድኡ እዮም።
4. ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚካታዕ እዩ፣ እምብኣርሲ ሓደ እኵ ኣይካታዕ፣ ሓደ እኳ ኣይግናሕ።
5. ንስኻ ብመዓልቲ ኽትወድቕ ኢኻ፣ እቲ ነብዪ ኸኣ ምሳኻ ብለይቲ ኺወድቕ እዩ፣ ኣነውን ነዴኻ ኽድምስሳ እየ።
6. ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካሕን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።
7. ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ክልውጦ እየ።
8. ሓጢኣት ህዝበይ ይቕለብ፣ ልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ አሎ።
9. እቲ ካህን ከኣ ከምቲ ህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ድማ ብሰሪ ኣካይዳኦም ክቐጾኦም፣ ግብሮምውን ክመልሰሎም እየ።
10. ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ሓዲጎም እዮም እሞ፣ ይበልዑ ኣይጸግቡን ከኣ፣ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን ድማ።
11. ምንዝርናን ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ።
12. መንፈስ ምንዝርናን ኣስሒትዎም፣ ካብ ኣምላኾም ርሂቖም መንዚሮም እዮም እሞ፣ ህዝበይ ነቲ ዕጨይቲ ይሐትት፣ በትሩውን ይነግሮ።
13. ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፣ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ከኣ፣ ኣብ ትሕቲ ኣውሕን ስየን ጽሕድን፣ ጽላሎም ጽቡቕ እዩ እሞ፣ ይዐጥኑ። ስለዚ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፣ መራዕኹም ድማ ይዝምዋ።
14. ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዘ የግልሱ፣ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለዉ እሞ፣ ኣዋልድኩም ምስ መንዘራ መራዕኹምውን ምስ ዘመዋ፣ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ከውድቕ እዩ።
15. ኣታ እስራኤል፣ ንስካ እንተ መዘርካ፣ ይሁዳ ኣይበድል። ናብ ጊጋል ኣይትእተዉ፣ ናብ ቤት-ኣዌን ድማ ኣይትውጹኡ፣ ህያው እግዚኣብሄር ኢልኩም ከኣ ኣይትምሐሉ።
16. እስራኤል ከም ሕንግድ ኣርሒ ሐጊዱ እዩ እሞ፣ ሕጂ እግዚኣብሄር ከም ዕየት ኣብ ገፊሕ ቡታ ኺጓስዮ እዩ።
17. ኤፍሬም ምስ ታኦታት ሐቢሩ እዩ፣ ሕደጎ።
18. ስኽራኖም ይገድድ አሎ፡ ምንዝርና የብዝሑ፡ ሓላቑኣ ኣዝዮም ነውሪ ይፈትዉ አለዉ።
19. ንፋስ በኽናፉ ይኣስራ፡ ንሳቶምውን ብመስዋእቶም ኪሐኩ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...