1. ሓሶት የዘውትሩ፣ ሰራቒ ይኣቱ፣ ጭፍራ ከትርቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኸትሩ አለዉ እሞ፣ ንእስራኤል ከሕውዮም ምስ ደሌኹ፣ ሽዑ ኣበሳ ኤፍሬምን ሕሰም ሰማርያን ተገልጸ።
2. ኣነ ንዅሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ፣ ብልቦም ኣይብሉን። ሕጂ ግብሮም ይኸቦም፣ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከኣ አሎ።
3. ንንጉስ ብእከዮም ንመሳፍንቲ ድማ ብሓሶቶም የሐጕስዎም አለዉ።
4. ኵላቶም ዘመውቲ እዮም። ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶን እዮም። ንሱ፣ እቲ ብሑቝ ካብቲ ዘቈምጥዖ ኽሳዕ ዚበኵዕ፣ ምቍስቍስ ይሐድግ።
5. ብመዓልቲ ንጉስና እቶም መሳፍንቲ ብረስኒ ወይኒ ንርእሶም ኣሕመሙ፣ ምስቶም መላገጽቲ ኢዱ ዘርግሔ።
6. ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣዳለውዎ፣ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፣ ንግሆ ኸኣ እቲ እቶን ሃልሃል ከም ዚብል ሓዊ ይነድድ።
7. ኵላቶም ከም እቶን ይረስኑ ንፈራዶኦም ከኣ ይውህጥዎም። ኵሎም ነገስታቶም ወደቑ፣ ካብታቶም ሓደ እኳ ዘጽውዓኒ የልቦን።
8. ኤፍሬም ምስ ህዝብታት ይጸናበር አሎ፣ ኤፍሬም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።
9. ሓይሉ ኣጋይስ ይበልዕዎ፣ ንሱውን ኣይፈልጦን። ሽበት ተነዝሖ፣ ንሱውን ኣይፈልጦን።
10. ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር፣ ግናኸ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይምለሱን፣ በዚ ዅሉውን ኣይደልይዎን።
11. ኤፍሬም ከም ልቢ ዜብላን ዓሻን ርግቢ ዀነ፣ ንሳቶም ንግብጺ ይጽውዑ፣ ናብ ኣሶር ይኸዱ።
12. ኪኸዱ ኸለዉ መርበበይ ክዝርግሃሎም፣ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከውርዶም፣ ከምቲ ኣብ ማሕበሮም እተነግረ ክቐጾኦም እየ።
13. ካባይ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። በዲሎምኒ እዮ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን። ኣነስ መድሐንክዎም፡ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛረቡለይ።
14. ኣብ ምድቃሶም ኰይኖም ይበኽዩ አለዉ እምበር፣ ብልቦም ናባይ ኣይድሀዩን። ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፣ ንኣይእንከ ዐለዉኒ።
15. ኣነ ገሰጽክዎም፣ ቅልጽሞም ከኣ ኣበርታዕኩ፣ ንሳቶም ግና እከይ ይሐስቡለይ አለዉ።
16. ንሳቶም ይምለሱ አለዉ፡ ናብቲ ልዕል ግና ይኰኑን። ከም መታለሊ ቐስቲ ዀኑ። መሳፍንቶም ብሰሪ ዅራ ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ሃገር ግብጺ መላገጺ ኪዀኖም እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...