1. ሓሶት የዘውትሩ፣ ሰራቒ ይኣቱጭፍራ ከትርቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኸትሩ አለዉ እሞ፣ ንእስራኤል ከሕውዮም ምስ ደሌኹ፣ ሽዑ ኣበሳ ኤፍሬምን ሕሰም ሰማርያን ተገልጸ

2. ኣነ ንዅሉ እከዮም ከም ዝዝክሮብልቦም ኣይብሉን። ሕጂ ግብሮም ይኸቦም፣ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከኣ አሎ።

3. ንንጉስ ብእከዮም ንመሳፍንቲ ድማ ብሓሶቶም የሐጕስዎም አለዉ።

4. ኵላቶም ዘመውቲ እዮም። ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶን እዮም። ንሱ፣ እቲ ብሑቝ ካብቲ ዘቈምጥዖ ኽሳዕ ዚበኵዕ፣ ምቍስቍስ ይሐድግ

5. ብመዓልቲ ንጉስና እቶም መሳፍንቲ ብረስኒ ወይኒ ንርእሶም ኣሕመሙ፣ ምስቶም መላገጽቲ ኢዱ ዘርግሔ

6. ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣዳለውዎሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስንግሆ ኸኣ እቲ እቶን ሃልሃል ከም ዚብል ሓዊ ይነድድ

7. ኵላቶም ከም እቶን ይረስኑ ንፈራዶኦም ከኣ ይውህጥዎም። ኵሎም ነገስታቶም ወደቑ፣ ካብታቶም ሓደ እኳ ዘጽውዓኒ የልቦን።

8. ኤፍሬም ምስ ህዝብታት ይጸናበር አሎ፣ ኤፍሬም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።

9. ሓይሉ ኣጋይስ ይበልዕዎ፣ ንሱውን ኣይፈልጦንሽበት ተነዝሖ፣ ንሱውን ኣይፈልጦን

10. ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር፣ ግናኸ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይምለሱን፣ በዚ ዅሉውን ኣይደልይዎን

11. ኤፍሬም ከም ልቢ ዜብላን ዓሻን ርግቢ ዀነ፣ ንሳቶም ንግብጺ ይጽውዑ፣ ናብ ኣሶር ይኸዱ

12. ኪኸዱ ኸለዉ መርበበይ ክዝርግሃሎም፣ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከውርዶም፣ ከምቲ ኣብ ማሕበሮም እተነግረ ክቐጾኦም እየ።

13. ካባይ ሀዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦምበዲሎምኒ እዮ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን። ኣነስ መድሐንክዎም፡ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛረቡለይ

14. ኣብ ምድቃሶም ኰይኖም ይበኽዩ አለዉ እምበር፣ ብልቦም ናባይ ኣይድሀዩን። ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፣ ንኣይእንከ ዐለዉኒ

15. ኣነ ገሰጽክዎምቅልጽሞም ከኣ ኣበርታዕኩ፣ ንሳቶም ግና እከይ ይሐስቡለይ አለዉ።

16. ንሳቶም ይምለሱ አለዉ፡ ናብቲ ልዕል ግና ይኰኑን። ከም መታለሊ ቐስቲ ዀኑ። መሳፍንቶም ብሰሪ ዅራ ልሳኖም ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ሃገር ግብጺ መላገጺ ኪዀኖም እዩ።