1. ንሱ ቐደደ፡ ኬጥዕየና ኸኣ እዩ፡ ንሱ ወቕዔ፡ ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ፡ ንዑናይ ናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
2. ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ኪገብረና እዩ፣ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ኬብለና ኣዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።
3. ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፣ ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ ንሱ ኸም ዝናም፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ።
4. ዎ ኤፍሬም፣ እንታይ ክገብረካ እየ፡ ዎ ይሁዳ፣ እንታይ ክገብረካ እየ፡ ሰናይኩም ከም ደበና ብጊሓት፣ ከምቲ ኣንጊሁ ዘተፍእ ኣውሊ እዩ።
5. ስለዚ ብነብያት ቈረጽክዎም፣ ብቓል ኣፈይ ቀተልክዎም፣ ፍርደይ ድማ ከም ብርሃን ይወጽእ።
6. ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፣ መስዋእቲ ኣይኰነን፣ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።
7. ንሳቶም ግና ከም ኣዳም ኪዳን ኣፍረሱ፣ በዚውን ተለሙኒ።
8. ጊልዓድ ብደም እተዐለሰት ከተማ ኣበሰኛታት እያ።
9. ከምቲ ኸተርቲ ንሰብ ዜድብዩሉ፡ ከምኡ ድማ እቶም ኣኼባ ካህናት ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ፡ እወ፡ ሕሰም ይገብሩ።
10. ኣብ ቤት እስራኤል ዜስክህ ነገር ርኤኹ፣ ምንዝርና ኤፍሬም ኣብኡ እዩ፣ እስራኤል ከኣ ረኸሰ።
11. ንምርኮ ህዝበይ ምስ መለስክዎ፣ ኣታ ይሁዳ፣ ንኣካ ድማ ቀውዒ ተዳልዩልካ አሎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...