1. ዎ እስራኤል፣ ብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።
2. ምሳካትኩም ቃላት ውሰዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፣ ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፣ ሰናይ ከኣ ተቐበል፣ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፣ በልዎ።
3. እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፣ ኣሶር ኣየድሕነናን፣ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፣ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና።
4. ኵራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፣ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ።
5. ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እዀኖ፡ ንሱ ኸም ዕምባባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከኣ ሰረውሩ ይሰድድ።
6. ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፣ ምጽባቑ ኸም ኣውልዕ፣ መኣዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን።
7. እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ፡ ብስርናይ ይብርትዑ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፡ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ።
8. ዎ ኤፍሬም፣ ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ አሎኒ፡ ኣነ ሰማዕክዎ፣ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዔ ጽሕዲ እየ፣ ፍሬኻ ካባይ እዩ ዚመጽእ።
9. መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ጻድቃን ይመላለስሉ፣ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፣ ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፡ ዚፈልጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ፡
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...