1. እስራኤልብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ

2. ምሳካትኩም ቃላት ውሰዱ፣ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፣ ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልናሰናይ ከኣ ተቐበል፣ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፣ በልዎ።

3. እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፣ ኣሶር ኣየድሕነናን፣ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፣ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና።

4. ኵራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፣ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ።

5. ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እዀኖ፡ ንሱ ኸም ዕምባባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከኣ ሰረውሩ ይሰድድ

6. ጨናፍሩ ይዝርጋሕምጽባቑ ኸም ኣውልዕመኣዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን።

7. እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱብስርናይ ይብርትዑ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡመዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ።

8. ኤፍሬም፣ ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ አሎኒ፡ ኣነ ሰማዕክዎ፣ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዔ ጽሕዲ እየ፣ ፍሬኻ ካባይ እዩ ዚመጽእ።

9. መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ጻድቃን ይመላለስሉመፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፣ ነዚ ዜስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፡ ዚፈልጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ፡

Chap 13