1. ድሕርዚ ኸኣ ኰነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዐሮምን ኣጥቅዖምን፡ ልጓም ርእሲ ኸተማኦም ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰዶ

2. ንሞኣባውያንውን ሰዐሮምኣብ ምድሪ በጥ ኣቢሉ ኸኣ ብገመድ ሰፈሮምክልተ ገመድ ንሞት፡ ገመድ ምሉእ ከኣ ንህይወት ሰፈረ። ሞኣባውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረከት ኣምጽኡሉ

3. ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝአቱ ኼምልስ ኢሉ ኪኸይድ ከሎንሃዳድ-ዔዘርወዲ ሬሖብንጉስ ጸባሰዐሮ

4. ዳዊት ድማ ካብኡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ፈረሰኛዕስራ ሽሕ ከኣ ኣጋራይ ሰብ ወሰደዳዊት ድማ ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉስ፡ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም

5. እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳድ-ዔዘር ንጉስ ጸባ ኺረድኡ ኢሎም ምስ መጹዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ

6. ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቅ ሓለውቲ ኣቐመጠሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉእግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሀቦ።

7. ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላዉ ሃዳድ-ዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰደናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ

8. ንጉስ ዳዊት ከኣ ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይንከተማታት ሃዳድ-ዔዘርኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ

9. ቶዒ ንጉስ ሓማት ድማ፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድ-ዔዘር ከም ዝሰዐሮ ምስ ሰምዔ

10. ሃዳድ-ዔዘር ምስ ቶዒ ተዋጊኡ ነበረ እሞ- ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን፡ ንሃዳድ-ዔዛር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ኪምርቖን፡ ወዱ ዮራም ለአኸሉ። ኣብ ኢዱ ኸኣ ኣቓሑብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ።

11-12. ነዚውን ንጉስ ዳዊት፡ ምስቲ ኻብቶም ዝሰዐሮም ኲሎም ኣህዝብ፡ ካብ ሶርያውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን ካብ ምርኮ ሃዳድ-ዔዘርወዲ ሬሖብንጉስ ጾባን ወሲዱ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅንንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ

13. ዳዊት ድማ ንሶርያውያን ስዒሩ ምስ ተመልሰኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተው ሾሞንተ ሽህ ምስ ቀተለ፡ ስም በረኸ

14. ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኣብ ብዘላ ኤዶም ሐለውቲ ኣቐመጠ። ኲሎም ኤዶማውያን ከኣ ገላዉ ዳዊት ኰኑንዳዊትኣብ ዝኸዶ ዘበለእግዚኣብሄር ዲል ሀቦ።

15. ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ

16. ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፡ ይሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሃፍ ዛንታ

17. ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜለክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩሰራያ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ

18. በናያ ወዲ ይሆያዳ ድማ ሓለቓ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ካህናት ነበሩ።