1. እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለአኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ አትዩ በሎኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኣይ ነበሩ፡ እቲ ሓደ ሃብታምእቲ ሓደ ድማ ድኻ

2. እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን ነበራኦ።

3. እቲ ድኻ ግና፡ ብጀካ ዝዐደጋ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን፡ ገለ እኳ ኣይነበራኦን። ንሱ ኣዕበያምስኡን ምስ ደቁን ከኣ ብሓደ ዐበየት፡ ካብ ቊራሱ ትበልዕ፡ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲኣብ ሕቚፉ ድማ ትድቅስ፡ ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት

4. እቲ ሃብታም ሰብኣይበዓል መገዲ ምስ መጾ ኸኣ፡ ነቲ ዝመጾ በኦኣል መገዲ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣሓኡን ወሲዱ ኸየዳልወሉስበቐቐን፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ግና ነቲ ዝአተዎ ሰብአይ ኣዳለወሉ

5. ሽዑ ዂራ ዳዊት ኣብቲ ሰብአይ ኣዝዩ ነደደንናታን ከኣ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብአይ ወዲ ሞት ከም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡

6. እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበረን፡ ድንጋጽዉን ስለ ዘይገበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሐስ፡ በሎ።

7. ሽዑ ናታን ንዳዊት በሎእቲ ሰብአይ እቲ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኩኻካብ ኢድ ሳኦልውን ኣድሓንኩኻ

8. ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻኣነስቲ ጐይታኻውን ኣብ ሕቚፍኻ ኣንበርኩልካ፡ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሀብኩኻ። እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።

9. ስለምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ እተራእየ ኽትገብርሲ፡ ቃሉ ዝነዐቕካንኡርያ ሔታዊ ብሴፍ ቀቲልካስንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሰድካያ። ንእኡ ግና ብሴፍ ደቂ ዓሞን ቀተልካዮ

10. እምበአርስኸ ስለ ዝነዐቕካኒንሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያሴፍ ካብ ቤትካ ንዘለአለም ኣየግልስን

11. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ ካብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስአልካ እየ፡ ነንስትኻ ኣብ ቅድሜኻ ወሲደ ንብጻይካ ኽህቦ እየ፡ ንሱ ኸኣ ምስተን ኣንስትኻኣብ ቅድሚ እዛ ጸሓይ እዚአ ኺድቅስ እዩ።

12. ንስኻ ብስዉር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣነ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ጸሓይን ክገብሮ እየ።

13. ሽዑ ዳዊት ንናታንንእግዚኣብሄር በደልኩበሎናታን ድማ ንዳዊትእግዚኣብሄር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፡ ኣይትመውትን ኢኻ

14. ግናኸ በዚ ነገር እዚ ንጸላእቲ እግዚኣብሄር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሀብካዮምእቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ርግጽ ኪመውት እዩ፡ በሎ።

15. ናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ። ነቲ ሰበይቲ ኡርያ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ ድማ እግዚኣብሄር ወቕዖ እሞ ኣዝዩ ተወጽዔ

16. ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ ዳዊት ከኣ ጾም ጾመአትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ሐደረ

17. እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸኣ ካብ ምድሪ ኼተንስእዎ ኢሎም ቈሙ። ንሱ ግና ኣይፈተወንእንጌራውን ምሳታቶም ኣይበልዔን።

18. ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ እቲ ሕጻን ሞተእቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ተዛሪብካዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዔስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ፡ እቲ ሕጻን ሞይቱ፡ ክንብሎ ኢና፡ ገለ ኽፉእ ከይገብር ኢሎም እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሁ

19. ዳዊት ግና እቶም ገላዉኡ ነሓድሕዶም ሕሹኽሹዂ ኪብሉ ምስ ረአየእቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኣስተውዐለ። ዳዊት ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ እቲ ሕጻንዶ ሞይቱ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሞይቱበሉ

20. ሽዑ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሲኡተሐጽበን ተለኽየንክዳውንቱ ድማ ለወጠናብ ቤት እግዚኣብሄር አትዩ ኸኣ ሰገደናብ ቤቱ መጺኡውን ዚብላዕ ደለየእንጌራ ድማ ኣቕረቡሉ እሞ በልዔ።

21. ሽዑ እቶም ገላዉኡእዚ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩእቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ምእንታኡ ጾምካን በኼኻንእቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡ ንሲእካ እንጌራ በላዕካበልዎ

22. ንሱ ኸኣ፡ መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሐረኒእቲ ሕጻን ድማ እንተ ሐወየ፡ ኢለ ነበርኩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሕጻን ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ጾምኩን በኼኹን

23. ሕጂ ኸኣ ንሱ ሞይቱንምንታይ ኢለ እጸውምደጊምዶ ኸምልሶ ይከአለኒ እዩኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ፡ በለ።

24. ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ባትሴባ እጸናንዓ፡ ናብኣ አትዩ ኸኣ ምስአ ደቀሰወዲ ድማ ወለደትሉስሙ ኸኣ ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮእግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ

25. ብነብዪ ናታን ልኢኹ ኸኣ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ ስሙ የዲድያ ሰመዮ

26. ዮኣብ ድማ ንራባ ናይ ደቂ ዓሞንተዋግኣ፡ ነታ ከተማ ንጉስ ከኣ ወሰዳ

27. ዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱንራባ ተዋጊኤያ፡ ነታ ኸተማ ማይውን ሒዘያ

28. ሕጂ ኸኣ፡ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ፡ ስመይ ኣብአ ኸይጽዋዕሲነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኪብካ ነዛ ኸተማ ኽበባሓዛ ድማ፡ በሎ።

29. ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ራባ ገስገሰ እሞ፡ ተዋጊኡ ሓዛ።

30. ንዘውዲ ንጉሶም ከኣ ካብ ርእሱ ወሰዶሚዛኑ ድማ ሓደ መኽሊት ወርቂ ነበረ፡ ክቡር ኣዕናቚ ከኣ ነበሮ፡ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ገበርዎ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ

31. ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢውን ኣውጺኡ ኣብ ትሕቲ መጋዛትን ሰረገላታት ሓጺንን ምሳውርቲ ሓጺንን ገበሮም፡ ናብ ናይ ጡብ እቶን ከኣ ኣሕለፎምንዂለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ድማ ከማኡ ገበረ። ድሕርዚ ዳዊትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ