1. ሽዑ ብዘለዉ ነገዳት እስራኤል ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡ እኔና፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ

2. ካብ ቀደምሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል እተውጽእን እተእቱን ነበርካ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ፡ በልዎ

3. ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ኬብሮን መጹንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን አተወንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ቀብእዎ

4. ዳዊት ኪነግስ ከሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፡ ኣርብዓ ዓመት ከኣ ነገሰ

5. ኣብ ኬብሮን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርህን ነገሰኣብ የሩሳሌም ኰይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።

6. ንጉስን ሰቡን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝንበሩ ይቡሳውያን ኪዋግኡ ኸዱ። ንሳቶም ንዳዊትናብዝስ ኣይትአቱን ኢኻዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኺሰጉኻ እዮም፡ በልዎ። ማለት ዳዊት ናብዚ ኣይኪአቱን እዩ።

7. ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊትሓዛ

8. ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየቡሳዊ ዝቐተለ ዘበለ ናብቲ መትርብ ማይ ይደይብ እሞ ነቶም ነፍሲ ዳዊት እተጸልኦም ሓንካሳትን ውዕራትን ይቕተሎም በለ። ስለዚ ዕውርን ሓንሳስን ናብ ቤት አይእተዉ፡ ተባህለ።

9. ዳዊት ከኣ ኣብ እምባ ተቐመጠ እሞ ከተማ ዳዊት ኣውጽኣላ። ዳዊት ድማ ካብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ

10. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምስኡ ነበረ እሞ፡ እናዐበየ ኸደ

11. ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ጸረብትን ወቐርቲ እምንን ገይሩ ሰደደሉ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት ሀነጹሉ

12. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖነታ መንግስዉውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዐለ

13. ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ የሩሳሌም ወሰደንዳዊት ከኣ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ

14. እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ስሞም እዚ እዩሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን

15. ይብሓርን ኤሊሹዓን ነፈግን ያፊኦኣን፡

16. ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን

17. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ከም ዝቐብእዎ ምስ ሰምዑኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዔናብ ዕርዲ ወረደ።

18. ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ

19. ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄርንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻኢሉ ሐተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊትደይቦም፡ ንፍልስጥኤማውያን ርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ

20. ዳዊት ድማ፡ ናብ በዓል-ጰራጺም መጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ዳዊት ሰዐሮምማይ ከም ዚብተን፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ጸላእተይ ካብ ቅድመይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኣላ

21. ጣኦታቶም ከኣ ኣብኡ ሐደጉዳዊትን ሰቡን ድማ ኣልዐልዎም

22. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ።

23. ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ሐተቶ ድማ፡ ንሱ፡ ኣይትደይቦምብድሕሪኦም ደኣ ዙሮምብመንጽር እቲ ሳጋሉ ኸኣ እተዎም።

24. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ናይ ዚረግጽ ድምጺ ምስ ሰማዕካ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኦም ቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ቐልጢፍካ ስረር፡ በሎ።

25. ዳዊት ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞከምኡ ገበርንፍልስጥኤማውያን ከኣ ካብ ጌብዕ ክሳዕ እታ ንጌዘር እትአትወላ ሰዐሮም