1. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ።

2. ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኰነ፡ እንሆካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብአይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።

3. ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻበሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየበሎ

4. ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ፡ በጃኻ ንገረኒበሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሀዲሙ፡ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ወደቑን ሞቱንሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም፡ በለ።

5. ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ኸኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካበሎ

6. እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለብገርሄይ ናብ ከረን ጊልቦዓ መጻእኩእንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ

7. ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ

8. ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ፡ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ።

9. ንሱ ኸኣ፡ ገና ህይው ከሎኹ ጨኒቑኒ አሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ

10. ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎእቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ

11. ሽዑ ዳዊትክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበረ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ።

12. ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልንብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምንክሳዕ ምሸትውን ጾሙ

13. ዳዊት ድማ ነቲ ዝገበሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ።

14. ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ኸመይ ዘይፈራህካበሎ

15. ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑቅረብ እሞ ውደቆበለ። ንሱ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ

16. ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄርኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስካ እዩበሎ

17. ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም

18. ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኺምህርዎም አዘዘ። እንሆ፡ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ አሎ።

19. እስራኤልእቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኤእቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ

20. ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡ ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲእዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዮ።

21. ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓዋልታ እቶም ጀጋኑዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብኤ፡ ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡ ኣባኹም ከኣ ናይ ዚለዐል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን።

22. ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣትካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰንሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን

23. ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶምፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ፡ ብሞቶምውን ኣይተፋለዩንካብ ንስሪ ዚቕልጥፉካብ ኣንበሳ ዚሕይሉ ነበሩ።

24. ኣትን ኣዋልድ እስራኤልነቲ ዜሐጒስ ቀይህ ግምጃ ዘልበሰክንክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመንሳኦል ብኸያሉ

25. እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ

26. ዮናታን ሓወይብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡ ብኣኻ እጭነቕ አሎኹ። እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ።

27. እዞም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑአጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ