1. ድሕርዚ ኸኣ ዀነኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዚጐዩ ሓምሳ ሰብአይን ገበረ

2. ኣቤሴሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ጥቓ መገዲ እታ ደገ ደው ይብል ነበረ። ኰነ ድማ፡ ባእሲ ዝነበሮ እሞ ኪፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመጸ ዘበለ ሰብ፡ ኣቤሴሎም ናብኡ ጸዊዑ፡ ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እዩ፡ በለ።

3. ኣቤሴሎም ድማ፡ ርኤ፡ ነገርካስ ጽቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፡ ግናኸ ካብ ንጉስ እተአዘዘ ዚሰምዓካ ደኣ የልቦን፡ ይብሎ ነበረ።

4. ኣቤሴሎም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ኪመጽእ እሞ ሓቂ ኽፈርደሉስ፡ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ፡ ይብል ነበረ።

5. ኰነ ድማ፡ ኪሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።

6. ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ኪፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዂሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ

7-8. ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስጊልያኻ እቲ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ ኸሎኹ፡ እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ርግጽ እንተ ደኣ መሊሱንስንእግዚኣብሄር ከገልግሎ እዩ፡ ኢለ መብጸዓ ተማባጺዔ ነይረ እየ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩሉ መብጽዓ ኣብ ኬብሮን ክፍጽሞ ክኸይድ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ

9. ንጉስ ከኣ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎተንሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ

10. ኣቤሴሎም ግና ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ሰለይቲ ልኢኹደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ በሉበሎም

11. ምስ ኣቤሴሎም ድማ ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ የሩስሌም ከዱ፡ ንዳቶም ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ገለ ኸይፈለጡብገርሆም ከዱ።

12. ኣቤሴሎም መስዋእትታት ሕሩድ ኪስውእ ከሎ ድማ፡ ልኢኹ ንኣሒቶፌል ጊሎናዊ፡ ናይ ዳዊት መኻሪ፡ ካብ ከተማኡ፡ ካብ ጊሎ ጸውዖ። እቲ ምምሕሓል ከኣ በርትዔ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዚኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ድማ እናበዝሔ ኸደ።

13. ሓደ ወረኛ ናብ ዳዊት መጺኡ ኸኣ፡ ልቢ ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ስዒቡ እዩ በለ

14. ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ገላዉኡተንስኡ ንህደም፡ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውጽኢ የብልናን እሞ፡ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸይወድቀና፡ ክፉእ ድማ ከየምጽአልና፡ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሴፍ ከይወቕዓስ፡ ቀልጥፍ ንኺድበሎም

15. እቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ዝደለዮ ዘበለ ዂሉ ንምግባር፡ እነዉ ገላዉኻ ተዳልዮም አለዉ፡ በልዎ

16. ንጉስ ድማ ወጸብዘሎ ቤተ ሰቡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ግናኸ፡ ንጉስ ዓሰርተ ሰበይቲ ኣንስቲ ወሰኑቤት ኪሕልዋ ሐደገን

17. እቲ ንጉስ ወጸብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ሰዐቦ። ኣብ ቤት-መርሓቅ ድማ ደው በሉ።

18. ኲሎም ገላዉኣኡ ኸኣ ጐጐቦኡ ሐለፋ፡ ኲሎም ክረታውያንን ኲሎም ጵለታውያንን ኲሎም ኲሎም ጋታውያንን ድማ፡ እቶም ካብ ጋት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቅድሚ ንጉስ ሐለፉ።

19. ሽዑ ንጉስ ንኢታይ፡ እቶ ጋታዊ፡ ንስኻኸ ስለምንታይ ምሳና ትኸይድ አሎኻ፡ ተመለስ፡ ምስ ንጉስ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻስ እተማረኽካ ወሰንተኛ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቦታኻ ተመለስ።

20. ትማሊ መጺእካስሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ፡ ኣነስ ናብቲ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፡ ተመለስ ደኣ፡ ነሕዋትካውን መለሶም፡ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን፡ በሎ።

21. ኢታይ ግና ንንጉስህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ጐይታይ ንጉስውን ህያው እዩ፡ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ዘለዋ ቦታንሞት እንተ ዀይኑ ወይ ንህይወትጊልያኻ ድማ ኣብአ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ

22. ዳዊት ከኣ ንኢታይኪድ ተሳገርበሎኢታይ ጋታውን ኲሉ ሰቡን እቶም ምስኡ ዚነብሩ ዂሎም ቈልዑን ድማ ተሳገሩ

23. ብዘላ እታ ሃገር ከኣ ዓው ኢላ ትበኪ ነበረት፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ተሳገሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ርባ ቄድሮን ተሳገረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ብመገዲ መረኻ ኣቢሎም ተሳገሩ።

24. እንሆ ኸኣ፡ ጻዶቅ ምስኡ ድማ ዂሎም ሌዋውያን ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ጾይሮም መጹ። ነቲ ታቦት ኣምላኽ ክኣ ኣቐመጥዎ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሳገር ድማ፡ ኣብያታር ደዪቡ ነበረ።

25. ንጉስ ከኣ ንጻዶቅንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስኪመልሰኒ እዩ፡ ንእኡንንም ኣሕደሩን ድማ ከኢርእየኒ እዩ፡

26. ኣይፈትወካን እንተ በለኒ ግና፡ እኔኹ፡ ባህ ከም ዝበሎ ይግበረኒ፡ በሎ።

27. ንጉስ ድማ ንጻዶቅ ካህንንስኻ ረአዪ ደይኰንካንብሰላም ናብ ከተማ ተመለሰወድኻ ኣሒማዓጽን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ።

28. ርአዩ፡ እቲ ወረ ዚነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዚመጽእ፡ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረባዳ ኽጸንሕ እየ፡ በሎ።

29. ሽዑ ጻዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጡ

30. ዳዊት ድማ በቲ መደይቢ ደብረ ዘይቲ ደየበኪድይብ ከሎ ኸኣ በኸየ፡ ንሱ ድማ ርእሱ ተጐልቢቡ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፡ እናበኸየ ድማ ደየበ

31. ንዳዊት ከኣ፡ ኣሒቶፌል ኣብ መንጎ እቶም ማሓሐልቲ ተሐዊሱ ምስ ኣቤሴሎም አሎ፡ ኢሎም ነገርዎዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ክትልውጦ፡ እልምነካ አሎኹ፡ በለ

32. ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዚስገደላ ቦታ ምስ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ሑሳይ ብዓል ኣርኪ ኽሳኑ ቐዲዱ ሓመድ ከኣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኪቕበሎ መጸ

33. ዳዊት ድማ በሎ፡ ምሳይ እንተ ሐልፍካ፡ ክትከብደኒ ኢኻ።

34. ግናኸ ናብ ከተማ እንተ ተመለስካንኣቤሴሎም ከኣ፡ ዎ ንጉስኣነ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ ቀደም ጊልያ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ድማ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ እንተ በልካዮ፡ ሽዑ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከንቱ ኽትገብረለይ ኢኻ።

35. እቶም ካህናት ጻዶቅን ኣብያታራን ኣብኡ ምሳኻዶ ኣየለዉን፧ ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕካዮ ዘበለ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ ክትነግሮም ኢኻ።

36. እነዉ ኽልቲኦም ደቆም ኣሕማዓጽ ወዲ ጻዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ኣብኡ ምሳታቶም አለዉ። እትሰምዕዎ ዘበለ ዂሉ ነገር ድማ ብኣታቶም ጌርኩም ልአኹለይ

37. ሑሳይ ፈታው ዳዊት ከኣ ናብ ከተማ አተወኣቤሴሎም ድማ ናብ የሩሳሌም ኣተወ።