1. ኲራ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ኣብ እስራኤል ነደደንዳዊት ከኣ፡ ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቊጸሮም፡ ኢሉ ነቕነቖ

2. ንጉስ ከኣ ንዮአብ፡ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊትቊጽሪ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ዜርካ ነቲ ህዝቢ ቚጸሮበሎ

3. ዮአብ ድማ ንንጉስ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ዘለዎ ይወስኮከምቲ ዘለዎ ኸኣ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ድማ ይርአዮ። ግናኸ ጐይታይ ንጉስ ነዚ ነገር እዚ ስለምንታይ ደለዮ በሎ

4. እቲ ቓል ንጉስ ግና ኣብ ዮአብን ኣብቶም ሓላቑ ሰራዊትን ጸንዔዮአብን እቶም ሓላቑ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ኪቘጽሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ

5. ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፡ ኣብ ዓሮዔር፡ ኣብ የማን እታ ኣብ ማእከል ርባ ጋድ ዘላ ኸተማንያዕዜር ኣቢሎም ሰፈሩ

6. ናብ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ናብ ምድሪ ታሕቲም-ሖድሺ አተዉ፡ ናብ ዳን-ያዓን መጺኦም ከኣ፡ ናብ ዙርያ ሲዶን ኣበሉ

7. ናብ ዕርዲ ጢሮስን ናብ ኲለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነኣናውያንን መጹ፡ ናብ ደቡብ ይሁዳ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ወጹ

8. ንብሃገራ ዞይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ የሩሳሌም መጹ

9. ዮኣብ ድማ ጽሕፈት እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንንጉስ ሀቦ። እምበእርሲ ኣብ እስራኤል ሴፍ ዚመዙ ሓያላት ሰብ ሾሞንተ ሚእቲ ሽሕ ኰኑ፡ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ኰነ።

10. ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ ግና፡ ልቡ ወቕዖ። ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄርበዚ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየብዙሕ ከኣ ዐሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ በጃካ፡ ነቲ ኣበሳ ባርያኻ ኣርሕቆበሎ

11. ዳዊት ንጉስ ምስ ተንስኤ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ጋድ፡ ናብቲ ናይ ዳዊት ረአዪ መጺኡ በሎ

12. ኪድ ንዳዊትእግዚኣብሄርሰለስተ ነገር ኤንብረልካ አሎኹ፡ ካብኤን ንኣኻ ሓንቲ ሕረ፡ ክገብረልካ ኸኣ እየ፡ ይብል አሎ ኢልካ ተዛረቦ።

13. ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡኣብ ሃገርካ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጸካዶ፡ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትሀድም፡ ንሳቶም ከኣ ኪሰጉኻዶ፡ ወይስ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ኪከውንዶ፡ ሕጂ ነቲ ዝለአኸኒ እንታይ ከም ዝመልሰሉኣስተውዒልካ ርኤ፡ ኢሉ ነገሮ

14. ዳዊት ንጋድኣዝዩ ጨኒቑኒ አሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደኣ ንወድቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕንበሎ

15. ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ፡ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ

16. እቲ መላክ ንየሩሳሌም ኬጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሔ ድማ፡ እግዚኣብሄር በቲ ኽፉእ ተጣዕሰ፡ ነቲ ህዝቢ ዜጥፍእ መልኣኽ ከኣ፡ ይአክልሕጅስ ኢድካ ምለሳበሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ ነበረ።

17. ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዚወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮንእግዚኣብሄር በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ እየ ዝበደልኩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ በጃኻ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ቦይን ትኹን፡ በለ

18. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ጋድ ናብ ዳዊት መጹኡ፡ ደይብ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊንእግዚኣብሄር መሰውኡ ኣቚምበሎ

19. ዳዊት ድማ ከምቲ ዘረባ ጋድከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ደየበ

20. ኣራውና ኸኣ ቊሊሕ በለ፡ ንጉስን ገላዉኡን ድማ ናብኡ ኺመጹ ረአየ። ኣራውና ኸኣ ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።

21. ኣራውና ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ ዘሎ፡ በለዳዊት ከኣ፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኺኽልክልንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሓሉ፡ ነዚ ዓውዲ ኻባኻ ኽሻየጥ እየ፡ በለ።

22. ኣራውና ድማ ንዳዊትጐይታይ ንጉስ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ወሲዱ የዕርግንዚሐርር መስዋእቲ ኣብዑርንዕጨይቲ ኸኣ ሰረገላታትን ናውቲ ማሕረስ ኣብዑርን እነዉ፡

23. ዎ ንጉስ፡ እዚ ዂሉ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ፡ በለ። ኣራውና ድማ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ይቀበልካበሎ

24. ንጉስ ግና ንኣራውና፡ ኣይፋል፡ ዋጋ ዜብሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዚሐርር መስዋእቲ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብዋጋኡ ደኣ ኻባኻ ኽሻየጦ እደሊ አሎኹ፡ በሎዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ሲቃል ብሩር ዐደጎም

25. ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረገሉ። እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ካብ እስራኤል ተኸልከለ

Chap 23