ዘልኣለማዊ

Posted on 2012-01-19 · 820 · 0 · 1

1 resources uploaded

ነበረ።
እቲ ዝነበረ
ኩሉ`ኳ ብኡ ዝኾነ . . .
ኮነ ኸአ መጸ
ንደቁ መረጸ
ካብ ኩሉ ኣብለጸ።

ግን . . .
መን እሞ ኢሎሞ
ዓለም እዝዓለሞም
ሕልሚ እዝሕልሞም
ሕጊ እዝሕጎም

ሓቂ ግን . . .
ንጸልማት አሕሚቁ
ከም ብርሃን ደሚቁ
ንሕጊ ስዒሩ
ሓርነት ኣበሲሩ . . .

ኮነ ኸአ . . .
ሕሩይ ከበረ
ሓቢሩ ምስቲ ዝነበረ
ጽላሉ ግን ልኢኹ
ነቲ ስግኡ ዝቀበረ
ሰግለለት ኮይኑ
ጥበብ ንፍልጠት እንተስዓረ።

1 comments

ብጣዕሚ ተፈታዊት ግጥሚ። ወስኸና አስመ ሓወይ! ጌታ አብዝቶ ይባርክህ!