ጥበብ ዶ ኾን ምመረጽካ?

Posted on 2012-11-10 · 1250 · 0 · 0

1 resources uploaded

እግዚኣብሄር ሓደ ሕቶ እንተ ዘቕርበልካ "እንታይ ከም ዝህበካ ለምን?" ኢሉ እንታይ ኮን ምኾነ መልሲና?

ቅድሚ 3000ዓመት ኣቢሉ ሓደ ጊዜ ኣግዚኣብሄር ንሰሎሞን ነቲ ናይ እብራውያን ንጉስ ኣዛ ሕቶ እዚኣ ኣቅሪቡሉ ነይሩ። ሰሎሞን ዝና ወይ ሃብቲ ወይ መዛግብትን ክብረትን ወይ ነፍሲ ጸላእቱ ወይ ነዊሕ ዕድመ ወይ ውን ንዓለም ክመልኽ ዘይኮነስ ንሱ “ነዚ ዓቢ ህዝቢ እዝስ መን ክፈርዶ ይኽእል፣ እምበኣርሲ ኣብ ቕድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ክወጽእን ክኣቱን ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ በለ” 2 ዜና.1፣10። ሰለሞን ጥበብ ምምራጹ ኣብ ህይወት ዘድለዮ ኩሉ ድማ ከም ዝሰዓቦን ብጥበብ ብምምርሑ ድማ ዝናን ዓወትን ንገዛእ ርእሱን ንንግስነቱን ከም ዝትዓደለን ይንገር።

እሞ ጥበብ ናይ ኩሉ መፍትህ ሂወት ካብ ኮነት ጥበብ እንታይ እያ ብከመይከ ትርከብ? እቲ ዘሓጉስ ነገር ጥበብ ብዕድመ ምሽምጋል ወይ ኣብ ትሕቲ ገረብ ብምምላድ ኣይኮነትን ትርከብ። ብብዙሓት ብዙሕ ግምት ዘይተወሃባ ጥበብ ንዝዕንብብ ሂወት ኣገዳሲትን ንኩሉ ዝብህጋ ድማ ቐረባን እያ።

ከምቲ ብዙሓት ዝሓስብዎ መጽሓፍ ቅዱስና ብሕግታትን ብግበር ኣይትግበርን ዝተመልአ ዘይኮነስ ኩሉ ነጸብራቓት ናይ ህይወት ዝሓቖፈ ናይ ጥበብ መጽሓፍ እዩ። ብከመይ ዝበለጸ ህይወት ክንነበር ከም እንክእል ድማ ይምህረና። ጥቕልል ብዝበለ ኣገላልጻ “ጥበብ ማለት ቓል ኣምላኽ ኣብ ተግባር እዩ።” ጥበብ ንጉስ ሰሎሞን ክሳዕ እዚ እዋን ህያው ኮይኑ ይንገረሉ ኣሎ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ብመንጽር ክልተ ዓይነት ምርጫታት ምርጫ ዓሻን ምርጫ ለባምን ገይሩ ድማ ኣቕሪብዎ ንረኽቦ።

ቕኑዕ ውሳነታት ኣብ ህይወትና እንገብሮም ውጽኢት ናይ ጥበብ እዩ። ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝመረጾ ካብ ኩሉ ኣቐዲምካ ንጥበብ ምምራጽ ድማ መፈለምታ ናይ ጥበበ እዩ። ስለዚ ጥበብ ይኩን ምርጫና።

የሱስ ጎይታ እዩ!

ምንጪ፣ How to make wise choices ብ ፓስተር ብርያን ሆስቶን

0 comments
Other Article