1-2. ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩምብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።

3. ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ

4. ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒትብሎእንሆጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ።

5. ኣታ ግብዝቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ።  ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ

6. እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዋ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም

7-8. ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩምድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

9-10. ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦወይስ ዓሳ እንተ ለመኖተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧

11. እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹምንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጹቡቅ ዘይህቦም

12. እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።

13-14. እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲመገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብመገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ

15. ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም

16. ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ

17. ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ

18. ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ።

19. ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ

20. እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።

21. ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይጐይታይዚብለኒ ዅሉመንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን

22. በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓትጐይታይጐይታይብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናንኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናንብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናንኪብሉኒ እዮም።

23. ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።

24. ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል

25. ዝናም ዘነመውሒዝ ወሐዘንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን።

26. ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል

27. ዝናም ዘነመውሒዝ ወሐዘነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋወደቐትኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

28-29. ኰነ ድማ፡ የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ