1-2. በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ።
3. እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ።
4. ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጉሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ።
5. ሽዑ የሩሳሌምን ኵላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ መጸት።
6. ሓጢኣቶም እናተአመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።
7. ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረአየ ግና በሎም፡ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩም፧
8. እምበርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ።
9. ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ አሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚከአሎ፡ እብለኩም አሎኹ።
10. ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ አሎ፡ እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
11. ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።
12. ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ አለዎ፡ ሰርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።
13. ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ፡
14. ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ አበዮ።
15. የሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ።
16. የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ።
17. እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...