1. ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም።
2. ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሄ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ።
3. እንሆ ኸኣ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም።
4. ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፡ ጐይታይ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ።
5. ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ደበና፡ ዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
6. ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ።
7. የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም።
8. ንላዕሊ ገጾም ቍሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።
9. ካብ ከረን ኪወርዱ ኸለዉ፡ የሱስ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚትንስእ፡ እዚ ዝርኤኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
10. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ንምንታይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ፡ ዚብሉ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
11. ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ።
12. ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝደለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለልይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኼጽግብዎ እዮም።
13. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዐሉ።
14. ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢድ ነስኣሉ፡
15. በሎውን፡ ጐይታይ፡ ንወደይ ምሐረለይ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዐሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡
16. ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺኤዮስ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ።
17. የሱስ ግና መለሰ በለውን፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ።
18. የሱስ ገንሖ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ።
19. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ በልዎ።
20. የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩም ውን የልቦን።
21. እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም።
22. ኣብ ገሊላ ኺመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ኪትሐዝ አለዎ።
23. ኪቐትልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ፡ በሎም። ብዙሕ ከኣ ጐሀዩ።
24. ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ፡ ግብሪ ዜውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም፡ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብሪዶ ኣይፈድን እዩ፧ በልዎ።
25. ንሱ፡ ይፈዲባ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ የሱስ ቀዲሙ፡ ስምኦን፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካ፧ በሎ።
26. ጴጥሮስ፡ ካብ ካልኦትባ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ደቆምስኸ ናጻ እዮም።
27. ከይንዕንቕፎም ግና፡ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሀቦም፡ በሎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...