1. ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤት-ፋጌ ምስ መጹ፡ ሽዑ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ

2. በሎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊዒሉኣ ድማ ምስኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም።

3. ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩምጐይታ ይደልዮም አሎ፡ በልዎብኡብኡ ድማ ኪሰዶም እዩ።

4-5. እቲ ብነብዪንጓል ጽዮንእንሆ ንጉስኪለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ አሎ፡ በልዋዚብል ኪፍጸም እዚ ዅሉ ዀነ

6. ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ

7. ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሔ

8. ካብቶም ህዝቢ ዚበዝሑክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ

9. ቀቅድሚኡ ዚኸዱ፡ ደድሕሪኡ ውን ዚስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎምሆሳእና ንወዲ ዳዊትብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያምበሉ

10. ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተዉ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዐደት

11. እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ በዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ

12. የሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኤሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ

13. ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሀልጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋበሎም

14. ዕዉራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብ ቤት መቕደስ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም

15. ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎምሆሳእና ንወዲ ዳዊትኪብሉን ምስ ረኣዩተናደዱ እሞ፡

16. እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ አሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከአ፡ እወ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም

17. ሐዲግዎም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ናብ ቢታንያ ወጸኣብኣ ከኣ ሐደረ

18. ንግሆ ናብ ከተማ ኺምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ

19. ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደቈጽሊ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት

20. ደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸትኢሎም ተገረሙ

21-22. የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕትብልዎ እሞ ከም ኪኸውንኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

23. ናብ ቤተ መቕደስ አትዩ ኺምህር ከሎሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር አሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካበልዎ

24. የሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ።

25. ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብንሓድሕዶም ተዛራረቡእናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ።

26. ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኵሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ አለዉ እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ

27. ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም

28. ግናኸ እንታይ ይመስለኩምሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡወደይሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየበሎ

29. ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ

30. ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን።

31. ካብ ክልቲኦም ኣያናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይበልዎየሱስ በሎምተገውትን ኣመናዝርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚአትዉብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

32. ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውትን ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹምክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩምን።

33. ካልእ ምስላ ስምዑኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረሓጹር ሐጸሮመሓምተሊ ድማ ኰዐተሉግምቢውን ሰርሓሉንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ

34. ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮት ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ

35. እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎምንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም

36. ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም

37. መወዳእታኡንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ

38. እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረአይዎንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝተባሃሀሉ

39. ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ

40. እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ ነቶም ዓያይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧

41. ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦምበልዎ

42. የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧

43. ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትወሀብ እያ፡ እብለኩም አሎኹ።

44. ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስብር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ

45. ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ

46. ኪሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ