1-2. በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥምቕመንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተነስሑኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ

3. እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉመገዱውን ኣቕንዑኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ።

4. ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጉሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ።

5. ሽዑ የሩሳሌምን ኵላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ መጸት

6. ሓጢኣቶም እናተአመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።

7. ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኺመጹ ምስ ረአየ ግና በሎምኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሐበረኩም

8. እምበርስከ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ግበሩ።

9. ብልብኹምኣብርሃም ኣቦ አሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩምንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንስኣሉንኣምላኽ ከም ዚከአሎእብለኩም አሎኹ።

10. ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ አሎ፡ እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽናብ ሓዊ ድማ ይድርበ

11. ኣነስ ንንስሓ ብማይ ኤጥምቐኩም አሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።

12. ዓውዱ ዜጽርየሉ መስኤ ኣብ ኢዱ አለዎ፡ ሰርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።

13. ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኪጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ

14. ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእኢሉ አበዮ

15. የሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ።

16. የሱስ ምስ ተጠምቀብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸእንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተመንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረአየ

17. እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።