1. ድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ።
2. እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ።
3. ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ።
4. እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ።
5. እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትኽሲ ነቲ እተሰቐለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ።
6. ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ።
7. ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኽን።
8. ካብቲ መቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ።
9. ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ።
10. ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን።
11. ንሳተን ምስ ከዳ፡ እንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም።
12. ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ኸኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡
13. ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ።
14. እዚ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰምዔ፡ ንሕና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም።
15. እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምታ ዝመሀርዎም ገበሩ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ አሎ።
16. እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ።
17. ምስ ረአይዎ፡ ሰገድሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ።
18. የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ።
19-20. ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...