1. ምስ ወግሔኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ተማኸሩ

2. ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሀብዎ

3-4. ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሐዞተፈሪድዎ ምስ ረአየተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ

5. ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸከይዱውን ተሐንቀ

6. ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶምዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእንበሉ

7. ተማኺሮምመቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ

8. ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል አላ።

9-10. እቲ ብነብዪ ኤርምያስዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ

11. የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ፡ በሎ

12. ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ኪኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን

13. ሽዑ ጲላጦስብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለውዶ ኣይትስምዕን ኢኻ፧ በሎ

14. እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን

15. እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም።

16. ሽዑ በርባን ዚብሀል ዉሩይ ተኣሲሩ ነበረ።

17-18. ተአኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝህብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስበሎም

19. ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱሎሚ ብሕልሚ ስሊኡ ብዙሕ መከራ ረኺቡኒ አሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ

20. እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉየሱስ ግና ኪቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም።

21. እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩኢሉ መለሰሎም

22. ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉጲላጦስ፡ እምበኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮበሎምኵሎምይሰቐል፡ በሉ።

23. እቲ ሹምእንታይ ክፉእከ ገበረበሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐልእናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ

24. ጲላጦስ ዘይምብዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረአየማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ

25. ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ድሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹንኢሎም መለሱሉ

26. ሽዑ ንበርባን ፈትሓሎምንየሱስ ግና ገሪፉኪስቀል ኣሕሊፉ ሀቦም

27. ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ

28. ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ

29. ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጽሉ

30. ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ

31. ምስ ኣላገጽሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ፡ ኪስቕልዎውን ወሰድዎ

32. ምስ ወጹስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ኪጸውር ብግዲ በልዎ።

33. ጐልጎታ ኣብ እትብሀል ቦታ፡ ትርጓሚኣ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ምስ በጽሑ

34. ምስ ሓሞት እተሖሶ መጺጽ ወይኒ ኺሰቲ ሀብዎጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ

35. ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖምክዳውንቱ ተማቐሉ

36. ኣብኡ ተቐሚጦም ድማ ይሕልውዎ ነበሩ።

37. እዚ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ ኣዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበርዎ።

38. ሽዑ ኽልተ ኸተርቲሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ሰቐሉ

39-40. ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤት መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሀንጻርእስኻ እስኪ ኣድሕንወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድእናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።

41. ከምኡ ድማ ሊቃውንትን ኻህናት፡ ምስ ጸሓፍትን ዓበይትን ኰይኖም፡ የላግጹሉ ነበሩ፡ ከምዚ ኢሎም

42. ንኻልኦት ኣድሓኖም፡ ርእሱ ግና ኬድሕን ኣይከኣለንንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንኣምን

43. ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፡ ድማ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ አሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ

44. እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲውን ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።

45. ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ

46. ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ።

47. ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽዎዖ አሎ፡ በሉ።

48. ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ

49. ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ

50. የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔነፍሱ ድማ ወጸት

51. እንሆመጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረምድሪ ኣንቀጥቀጠትኣኻውሕ ድማ ተጨዱ

52. መቓብራትውን ተኸፍቱብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ

53. ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉንብዙሓት ከኣ ተራእዩ

54. እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ

55. ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐባኦ እየን።

56. ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ዮሴን ኣደ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።

57. ምስ መሰየ ድማ፡ ዮሴፍ ዚብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ ነበረ።

58. ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ

59. ዮሴፍ ነቲ ስጋኡ ወስዱብሓድሽ በፍታ ገነዞ

60. ንርእሱ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዐጽይዎ ኸደ

61. ኣብኡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን ኣብ ማዕዶ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።

62. ንጽብሒቱ ድሕርታ ምድላው እትውዕል መዓልቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም

63. ጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይወቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና

64. ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመይትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ።

65. ጲላጦስሓለውቲ እነዉልኩምኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሐልዉበሎም

66. ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፡ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበሩሉ