1. ሽዑ መንግስተ ሰማያትቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል

2. ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን።

3. እተን ዓያሱቀቀንዴለን ወሲደንዘይቲ ኣይተማልኣን

4. እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ

5. መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውን

6. ፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነእንሆመርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ

7. ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤንቀቀንዴለን ኣዳለዋ

8. እተን ዓያሱ ነተን ለባማትቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባናበላኤን

9. እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋኢለን መለሳለን

10. ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋማዕጾ ድማ ተዐጸወ

11. ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤንጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ

12. ንሱ ግና መሊሱብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን

13. እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ

14. መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ።

15. ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞምንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ

16. እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ መክሊት ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ

17. እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ

18. እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ

19. ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ

20. እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒእንሆካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩእናበለ ቐረበ።

21. እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶበሎ

22. እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታኡክልተ መክሊት ሀብካኒእንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩበለ

23. ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይእሙን ባርያብሒደት ተአሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ

24. እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡጐይታይዘይዘራእካዮ እትዐጽድዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡

25. ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎእንሆ ገንዘብካ፡ በሎ።

26. እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ።

27. እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ

28. ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ህብዎ

29. ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።

30. ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

31. ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ

32. ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም

33. ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን

34. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ

35. ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒጸሚኤኣስቴኹምኒገይሸተቐበልኩምኒ

36. ዐሪቀከደንኩምኒሐሚመበጻሕኩምኒተኣሲረመጻእኩምኒ

37. ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ

38. መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ

39. መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ።

40. እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም

41. ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ

42. ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንንጸሚኤኣየስቴኹምንን

43. ገይሸኣይተቐበልኩምንንዐሪቐኣይከደንኩምንንሐሚመተኣሲረኣይበጻሕኩምንን

44. ሽዑ ንሳቶምጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካዘየገልገልናካኢሎም ይመልስሉ

45. ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም

46. እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።