1. ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡

2. ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም አለዉ።

3. ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ።

4. ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮምንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።

5. ኵሉ ግብሮምሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩክታባውቶም ይግፍሑዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ

6. ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ።

7. ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎምብሰብውን መምህራን ኪብሀሉ ይፈትዉ።

8. ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሀሉ፡ ንስካትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።

9. ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ።

10. መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።

11. እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን

12. ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ።

13. ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንመንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትአትውዋን፡ ነቶም ኪአትውዋ ዚደልዩ ድማ ኪአትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ውይለኹም

14. ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንቤት መበለታት ትበልዑንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ አሎኹም። ስለዚ ዝገደድ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም

15. ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኩም እሞ፡ ወይለኹም

16. ኣቱም ብቤት መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲወይለኹም

17. ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ

18. ብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ።

19. ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትንኣየናይ ይዐቢቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ

20. እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ።

21. እቲ ብቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል አሎ።

22. እቲ ብሰማይ ዚምሕልዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል።

23. ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲምሕረትእምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምግሕዳግ ይግባእ

24. ኣቱም ቃርማ እተጽርዩገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ

25. ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም

26. ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ

27. ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም

28. ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረአይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓምጻን ምሉእ እዩ።

29. ኣቱም ግቡዛት ጸሓትን ፈሪሳውያንንመቓብር ነብያት ትሰርሑመቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም

30. ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን፡ ትብሉ አሎኹም።

31. እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ አሎኹም።

32. ንስኻትኩም መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ

33. ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧

34. ስለዚ እንሆነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም አሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም።

35. እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ።

36. እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

37. የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦምክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም።

38-39. ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም አሎኹ።