1-2. የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደእንሆሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእናእናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ

3. ንጉስ ሄሮዶስ ስሚዑ ሰምበደኵላ የሩሳሌም ውን ምስኡ።

4. ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናት ንጻሓፍትን ህዝብን ኣኪቡክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧ ኢሉ ሐተቶም

5-6. ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ

7. ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ።

8. ናብ ቤት-ልሄም ድማ ሰደዶምኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉኣፍሉጡኒ በሎም

9. ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱእንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረአይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም

10. ነቲ ኰዀብ ምስ ረአይዎኣዝዮ ብዙሕ ሓጐስ ተሐጐሱ

11. ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረአይዎፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሀብዎ

12. ናብ ሄሮዶስ ከይምለሱብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ

13. ንሳቶም ምስ ሐለፉእንሆመልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደምክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕበሎ

14. ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ

15. እቲ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብነብዪንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ሄሮዶስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሔ።

16. ሽዑ ሄሮዶስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረአየብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑንካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ

17-18. ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትንራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየትእተበሀለ ተፈጸመ

19. ሄሮዶስ ምስ ሞተእንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ

20. እቶም ህይወት ነዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድበሎ

21. ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ

22. ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮዶስ ከም ዝነገሰ ሰሚዑ ግና፡ ናብኡ ምኻድ ፈርሄብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ፡ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ

23. እቲ ብነብያትናዝሬታዊ ኺበሀልእተበሀለ ምእንቲ ኺፍጸምናዝሬት ናብ እትበሀል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ