1. በታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽእናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ

2. ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ።

3. በለ ኸኣእንተ ዘይተመለስኩምከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩምናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

4. እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕትንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ

5. ንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል

6. ካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ

7. መዓንቀፊ ኸይ መጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓምቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ

8. ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ

9. ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ

10. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑመላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ።

11. ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ አሎ እሞ፡

12. እንታይ ይመስለኩምሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧

13. እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጎስብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

14. ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን።

15. ሓውካ እንተ በደለካኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካንሓውካ ረባሕካዮ

16. እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።

17. ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።

18. ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውንብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

19-20. ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

21. ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይሓወይ እንተ በደለንስክንደይ ሳዕ ክሐድገሉክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ

22. የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን።

23. ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል

24. ኪጸባጸብ ምስ ጀመረእልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ

25. ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ

26. ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡጐይታይተዐገሰኒኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉ

27. ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖንዕዳኡ ውን ሐደገሉ

28. እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒኢሉ ሐነቖ

29. ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ፡ ተዐገሰኒኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ

30. ንሱ ግና አበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲኣእሰሮ

31. እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ

32. ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ

33. ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ።

34. ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦ

35. ነፍሲ ወከፍኩም ነን ሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።