1. ሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም

2. ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓባይቲ የፍርሱ አለዉ፧ በልዎ።

3. ንሱ መሊሱ በሎምስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም፧

4. ኣምላኽኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ኰነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙትበለ

5. ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌርዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ

6. ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ

7. ኣቱም ግቡዛትኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ

8. እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ።

9. ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩንኸንቱ የምልኹኒ

10. ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ ኣስተውዕሉ

11. ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚአቱስ ንሰብ ኣየርክሶን።

12. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦምፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዐንቀፉስ ፈሊጥካዶበልዎ

13. ንሱ ግና መለሰ በለውንናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ።

14. ሕደግዎምዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ

15. ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጕመልናኢሉ መለሰሉ

16. የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዐልኩምን

17. ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧

18. እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶ

19. ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብቅትለትዝሙትምንዝርስርቂምስክር ሓሶትጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡

20. እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን።

21. የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ

22. እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸትእናጨርሔት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊትንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ አሎ እሞ፡ ምሐረኒ፡ በለት።

23. ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦምድድሕሬና ትጠርዕ አላ እሞ ኣፋንዋኢሎም ለመንዎ

24. ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ

25. ንሳ ግና፡ ጐይታይርድኣኒእናበለት መጺኣ ሰገደትሉ

26. ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ

27. ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጐይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት

28. ሽዑ የሱስኣቲ ሰበይቲእምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደሌኽዮ ይኹነልኪኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሐወየት

29. የሱስ ካብኡ ሓሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ

30. ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳትዕውራትጸማማትቈራያትብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስ ውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም

31. እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡቈራያት ኪሐውዩሓንካሳት ኪኸዱዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ

32. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ ዚበልዕዎ ስለ ዜብሎምየደንግጹኒ አለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጾሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን።

33. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዚኣክል ህዝቢ ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ

34. የሱስ ድማ፡ ክንደይከ እንጌራ አሎኩምበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተሒደት ድማ ዓሳበልዎ

35. ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም

36. ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉአመስጊኑ ቘረሰንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሀቦም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሀብዎም።

37. ኵሎም በሊዖም ጸገቡዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዐሉ

38. እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣርባዕተ ሽሕሰብኣይ ነበሩ

39. ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ አትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ