1. በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ

2. ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተአከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትይ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ።

3. ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለእንሆዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ

4. ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ

5. ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐዓሚቝ ሓመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ

6. ጸሓይ ምስ በረቐትሀጐጐሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸ

7. ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾዂ ድማ ዐበየ ሐነቖውን

8. ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ

9. እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ

10. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦምስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧ በልዎ

11. መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።

12. ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውስኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም።

13. እናረአዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ።

14-15. ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም፡ ከምዚ ዚብልበእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም።

16-17. ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑ ውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያኣእዛንኩም ውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን።

18. እምበኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ

19. ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ።

20. እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ።

21. ንሽዑ ጥራይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኰነብኡብኡ ይዕንቀፍ

22. እቲ ኣብ እሾኽ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆከይፈረየውን ይተርፍ

23. እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሰላሳ ይእቶ።

24. ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል

25. እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ

26. ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ

27. ነቲ ብዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦምጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ

28. ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮበሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ

29. ንሱ በሎምኣይፋልኩምንክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ

30. ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶቅድም ነቲ ኽርዳድእረይዎኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎክብሎም እየ።

31. ካልእ ምስላ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያትሰብ ወሲዱ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል

32. ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን

33. ካልእ ምስላውን ነገሮምመንግስተ ሰማያትሰበይቲ ወሲዳኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል

34-35. የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ እቲ ብነብዪኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነብረ እነግርተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኸፍጸም ኢሉእዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።

36. ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦምምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልናበልዎ

37. መሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእወዲ ሰብ እዩ።

38. እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም።

39. እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም።

40. ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።

41. ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም

42. ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

43. ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ

44. ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስልብታሕጓስ ከይዱስዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ

45. ድማ መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል

46. ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ

47. ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል

48. ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ

49. ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኸቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም

50. ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

51. ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ በልዎ

52. ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስልበሎም

53. ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤካብኣ ነቐለ

54-56. ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚእዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነንኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትንኣሕዋቱስ ያእቆብዮሴፍስምኦንይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም

57. ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉየሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም

58. ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።