1. ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ

2. ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ

3. እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ

4. የሱስ መሊሱ በሎምኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ

5. ዕዉራት ይርእዩሓንካሳት ይኸዱለምጻማት ይነጽሁጸማማት ይሰምዑምዉታት ይትንስኡንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ።

6. ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ።

7. ንሳቶም ምስ ከዱየሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩምብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ

8. እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩምብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስእንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት አለዉ።

9. ንምንታይ ደኣ ወጻእኩምነብዪ ኽትርእዩዶእወካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

10. እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻመገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ።

11. ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለደ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ

12. ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳብ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ አለዉ።

13. ኵሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ

14. ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ።

15. እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ

16. ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል

17. እሞ ዚብልዎምእምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኼኹምን።

18. ዮሃንስ እማ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን አለዎይብሉ

19. ወዲ ሰብ መጸይበልዕ ይሰቲእንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንንይብሉጥበብ ብደቃ ጸደቐት

20. ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረን ከተማታት ስለ ዘይተነሰሐ ኺነቕፈን ጀመረ

21. ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገበረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓሙዅስቲ ተነጺፈን ምተነስሓ ነይረን።

22. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዚቐልልእብለክን አሎኹ።

23. ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦል ከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገበረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ።

24. ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዚቐልልእብለኩም አሎኹ።

25. በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርንእዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ ኤመስግነካ አሎኹ።

26. እወ፡ ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ

27. ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን ዚፈልጦ የልቦን።

28. ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ

29-30. ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑትኣርዑተይ ፈኵሽጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።