1. ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም

2. ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንእንድርያስ ከኣ ሓዉያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስዮሃንስ ከኣ ሓዉ

3. ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውንያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን

4. ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን

5-6. የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞምናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ

7. ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላኢልኩም ስበኹ

8. ሕሙማት ኣሕውዩምዉታት ኣተንስኡለምጻማት ኣንጽሁኣጋንንቲ ኣውጽኡብኸምኡ ተቐበልኩምብኸምኡ ሀቡ

9. ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ

10. ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ።

11. ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም፡ ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ

12. ናብ ቤት ምስ ኣቶኹምሰላም በሉ።

13. እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና ሰላምኩም ይሕደራዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ

14. እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩምተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ

15. ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልልብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

16. እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመንገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ

17-18. ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስተታን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቐቁ

19. ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ።

20. መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ

21. ሓው ንሓውኣቦ ኸኣ ንውሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዩም።

22. ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ።

23. ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

24. ተመሃሪ ኻብ መምህሩጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን።

25. ተመሃሪ ኸም መምህሩጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነይኣኽሎንብዓል ቤት ብኤል-ዜቡል ካብ በልዎንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎ

26. እምበኣርስኸ፡ ዘይቕላዕ ክዱንዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም

27. ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ

28. ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።

29. ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናንሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን።

30. ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን።

31. እምበኣርሰ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።

32. ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ።

33. ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ግና፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።

34. ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን።

35. ወዲ ኻብ ኣቦኡጓል ካብ ኣዲኣመርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡

36. ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም።

37. እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ

38. መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን

39. እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ።

40. ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚቕበሎ

41. ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበልዓስቢ ነብዪ ይረክብንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ

42. ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።