1. በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።

2. ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ አለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ።

3. እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ ቅዱስቅዱስቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ አላ፡ ኢሉ ኣድሀየ

4. ብድምጺ እቶም ዘድሀዩ እቲ መሰረት ልዳውቲ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤትውን ትኪ መልኤት

5. ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር አሎኹ እሞ፡ ወይለይኣዒንተይ ንንጉስንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩበልኩ

6. ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፡ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጒጤት ወሲዱ፡ ኣብ አዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ

7. ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሐቐልካሓጢኣትካውን ጸረየልካበለ

8. ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒበልኩ

9-10. ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩበእዛኖም ከኣ ከይሰምዑብልቦምውን ከየስተውዕሉከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖነእዛኖም ኣጽምመንነዒንቶምውን ዐምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ

11. ኣነ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ፡ በልኩ። ንሱ ድማ በለከተማታት ክሳዕ ዚባድማ እሞ ዚነብረን ዜብለን፡ ኣባይቲ ብዘይ ሰብ፡ እታ ሃገርውን በረኻ ዀይና ኽሳዕ እትባድም

12. እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዜግዕዞም፡ ኣብ ማእከል እታ ሃገርውን ጽምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዚበዝሕ

13. ዕሽር እኳ ኣብኣ እንተ ተረፈ፡ ንሱውን መሊሱ ኺጠፍእ እዩ። ግናኸ ከምቲ መመናን ኣውሕን ምስ ተቘርጸጒንዱ ዚተርፍ፡ ከምኡ እቲ ቅዱስ ዘርኢ ጒንዱ ኪኸውን እዩ።