1. እንሆኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ።

2-3. ግናኸ ኣእዳውኩም ብደምኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰንከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር አሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ።

4. ብጽድቂ ዚጠርዕ ሓደ እኳ የልቦን፡ ብሓቂ ዚምጒት ሓደ እኳ የልቦን፡ ኣብ ከንቱነት ይውከሉሓሶት ከኣ ይዛረቡእከይ ይጠንሱ፡ ሓጢኣትውን ይወልዱ ኣለው።

5. እንቋቚሖ ገበል ይሐቚፉዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ፡ እቲ ኻብ እንቋቕሖ ዚበልዕ ይመውት፡ ካብቲ እተጨፍለቐ ድማ መንደልቶ ይነቊሕ።

6. ዓለባኦም ክዳን ኣይከውንን፡ ብግብሮም ከኣ ኣይኪኽደኑን እዮም። ግብሮም ግብሪ እከይ እዩ፡ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመጻ አሎ።

7. ኣእጋሮም ናብ እከይ ይጐይንጹህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፉሓሳቦም ሓሳብ እከይ እዩ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ መገድታቶም አሎ።

8. ንመገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፡ ኣብ ኣኻይዳኦም ቅንዕና የልቦን፡ ንመገድታቶም ይጠዋውይዎ፡ እቲ ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን

9. ስለዚ ቕንዕና ኻባና ረሐቐጽድቂውን ኣየርክበናን እዩ። ንብርሃን ንጽበ፡ እንሆ ኸኣ ጸልማት፡ ንድሙቕ ብርሃን ንጽበ፡ ግናኸ ብጸልማት ኢና እንመላለስ ዘሎና።

10. ከም ዕውራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ፡ እወ፡ ከምቶም ዓይኒ ዜብሎም ሃሰስ ንብሎ አሎና፡ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ብጊዜ ጽልግልግታ ደርገፍገር ንብል። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምውታት ኰንና።

11. ኲላትና ኸም ድብታት ንሀብብ፡ ከም ረገቢት ንቚዝምንቕንዕና ንጽበ አሎና፡ ግናኸ የልቦን፡ ንምድሓን፡ ንሱውን ካባና ርሑቕ እዩ።

12. ገበንና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና አሎ። ገበንና ምሳና እዩ ዘሎ እሞ፡ ንኣበሳና ንፈልጦ ኢና፡

13. ካብ እግዚኣብሄር ዐሎና ኽሐድናዮውንንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ተዝሐጥና፡ ግፍዕን ዕልወትን ተዛረብናዘረባ ሓሶት ጠኒስና ኻብ ልብና ደርጓሕናዮ።

14. ፍርዲ ድማ ንድሕሪት ኣቢሉ ተመልሰጽድቂ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ቈመሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ቅንዕና ኺኣቱ ኣይተኻእሎን።

15. እወ፡ ሓቂ ተሳእነ፡ እቲ ኻብ እከይ ዚርሕቕ ድማ ርእሱ ንዘመተ ይውፊ፡ እግዚኣብሄር እዚ ረአየቅንዕና ስለ ዜልቦ ኸኣ ጐሀየ።

16. ደጊም ሓደ እኳ ኸም ዜልቦ ረአየ፡ ሓደ እኳ ዜማልድ ስለ እተሳእነ ተገረመ። ሽዑ ቕልጽሙ ረድኦጽድቁውን ደገፎ

17. ንጽድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸድኖ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ምድሓን ቊራዕ ርእሲ ኣእተወክዳን ምፍዳይ ሕነ ኸኣ ተወንዘፈ፡ ንጸዓትውን ከም ባርኖስ ገይሩ ለፈፎ።

18. ከከም ግብሮም ኪፈድዮም እዩ፡ ኲራ ንተጻረርቱፍዳ ንጸላእቱንደሴታትውን ፍዳ ኺህብ እዩ።

19. እምበኣርሲ ስም እግዚኣብሄር ካብ ምዕራብክብሩ ኸኣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪፍራህ እዩ። ጸላኢ ኸም ውሒዝ ደሪኹ እንተ መጸትንፋስ እግዚኣብሄር ኪሰጎ እዩ።

20. ንጽዮንን ነቶም ካብ ምዕላዎም ናብ ያእቆብ ዚምለሱን ተበጃዊ ኺመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

21. ኣነስ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን፡ እተን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክወን ቃላተይን ካብ ኣፍካ ወይስ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅካ ኻብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይኪርሕቕን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።