1. ነዚ ምስክርና መን ኣመኖቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ

2. ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበመልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን።

3. ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን

4. ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ

5. ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና

6. ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርናነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለእግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ

7. መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን

8. ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ

9. እከይ ዘይገበረሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ።

10. እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢመዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ።

11. ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ።

12. ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ