1. ቅነ ፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ንፍትወይ እቕነየሉ አሎኹ። ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኲርባ ነበሮ።

2. ኰዐቶ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኤ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉመሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉዘቢብ ኬፍሪውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ

3. ኣቱም ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን ኣቱም ሰብ ይሁዳን፡ እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ

4. ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ፧ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸቤኽዎስስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ

5. እምበኣርከ ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገብሮ ኤፍልጠኩምንሓጹሩ ክቕንጥጦ እየ፡ መጓሰዪ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንመካበብያኡ ኸፍርሶ እየ፡ ኪርገጽውን እዩ።

6. ከባድሞ እየ፡ ኣይኪጽልጽልን ኣይኪዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ኪበቚሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ።

7. እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ፡ እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም፡ ፍትሒ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ምኽዓው ደምጽድቂ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ኣውያት ረኸበ።

8. ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእከል ሃገር ክትነብሩስ፡ እቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣንቤት ኣብ ቤት ዚድርቡግራት ከኣ ናብ ግራት ዜቕርቡ ወይለኦም።

9-10. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዜውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ኪእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኺዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዚነብሮ ዜብሉ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበኒ።

11. እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም

12. መሰንቆን ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣብ ድግሶም አሎ፡ ንተግባር እግዚኣብሄር ግና ኣየስተብህልዎን፡ ነቲ ግብሪ ኣእዳው ኸኣ ኣይርእይዎን

13. ስለዚውን ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማረኹክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፡ ሰቦም ድማ ብጽምኢ ይነቕጹ ኣለው።

14. ስለዚ ሲኦል ንትምኒታ ኣርሒባኣፋውን ብዘይ ልክዕ ሃህ ኣቢላ አላ፡ ክብረቶምን ብዝሒ ሰቦምን ጌጾምን እቲ ኣብኡ ባህ ዚብሎን ናብኣ ይወርድ አሎ።

15. እቲ ማንም ሰብ ለጠቕ ኪብል፡ እቲ ምርኡይ ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ ኣዒንቲ ዂሩዓት ድማ ኪዋረዳ እየን።

16. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግና ብፍርዲ ልዕል ይብል፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ድማ ብጽድቂ ይቕደስ

17. ሽዑ ዕያውቲ ኸም ኣብ መጓሰይኦም ኪጓሰዩ እዮም፡ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከኣ ጓኖት ኪበልዕዎ እዮም።

18. እቶም ንኣበሳ ብገመድ ሓሶትንሓጢኣት ከኣ ከም ብመጣምር ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም

19. እቶም፡ ክንርእዮስ ይቐልጥፍዕዮኡ ኸኣ ፈጢኑ ይግበር፡ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ፡ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ ትምጻእውንዚብሉ ወይለኦም።

20. እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉንጸልማትሲ ብርሃንንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎንመሪርሲ ጥዑምንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም

21. እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን፡ ብርእሶም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም

22. እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም

23. መማለጃ ተቐቢሎም ንረሲእ ዜጽድቕዎንጻድቕ ድማ ጽድቁ ዜግድፍዎ ወይለኦም።

24. ንሕጊ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዒቖምዎንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተሐሲሞምዎ እዮም እሞ፡ ስለዚ ኸምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዜንድዶንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ሞዂ ዚብል፡ ሱሮም ከም ብዂብዂ ኪኸውን፡ ዕምባባኦም ከኣ ከም ዕሻሽ ኪተጒጒ እዩ።

25. ስለዚ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደኢዱ ኸኣ ኣባታቶም ዘርግሔ እሞ ወቕዖምኣኽራን ኣንቀጥቀጡሬሳኦም ድማ ከም ጐሓፍ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ኰነ። ምስናይዚ ዂሉ ድማ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰንኢዱውን ገና ተዘርጊሓ አላ።

26. ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ሰንደቕ ዕላማ ኼልዕለሎም፡ ካብ ጽንፊ ምድሪ ኸኣ ብፋጻ ኺጽውዖም እዩ፡ እንሆውን ብፍጥነት ቀልጢፎም ኪመጹ እዮም።

27. ድኹምን ስንከልከል ዚብልን ኣብ ማእከል የልቦን፡ ሓደ እኳ ኣይታኸስን ኣይድቅስንቅናት ሕቚኦም ኣይፍታሕንጥላም ሳእኖም ከኣ ኣይብተኽን

28. ፍላጻታቶም በሊሕ፡ ኲሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፡ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት እዩ፡ መንኰርኰር ሰረገላታቶም ከኣ ከም ህቦብላ እዩ።

29. ምጒዛሞም ነቲ ናይ ዋዕሮ ይመስል፡ ከም ሽደን ኣንበሳ ይጓዝሙየጒራዕርዑግዳዮም ዐትዒቶም ኣብ ጽኑዕ ይወስድዎ፡ ዜናግፍውን የልቦን

30. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ህማም ባሕሪ ኣብኦም ኪሀሙ እዮም፡ ኣብታ ሃገር እንተ ጠመትካ ኸኣ፡ እንሆ፡ ጸልማት ጸበባን፡ እቲ ብርሃንውን ኣብ ደበናታታ ይጽልምት