1. ደጊም ኣታ ያእቆብ ባርያይኣታ እስራኤል ከኣ ሕሩየይስማዕ

2. እቲ ዝሰርሓካን፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካን፡ ዚድግፈካን እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ንስኻውን ይሹሩን ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ።

3. ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየመንፈሰይ ኣብ ዘርእኻበረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ እሞ፡

4. ከም ዕቦል ኣብ ጥቓ ወሓዚ ርባኣብ ማእከል ሳዕሪ ኺበቚሉ እዮም።

5. እቲ ሓደ፡ ናይ እግዚኣብሄር እየ፡ ኪብል እዩ፡ እቲ ሓደ ኻልእ ብስም ያእቆብ ኪስመ እዩ፡ እቲ ሓደ ድማ፡ ናይ እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ኣብ ኢዱ ኽጽሕፍ እዩ፡ ንስም እስራኤል ድማ መጸውዒ ኽብረት ኪገብሮ እዩ።

6. እግዚኣብሄርንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብልቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን

7. ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝሰረትኩሉ ጊዜ ጀሚሩ፡ ከማይ ዚጽውዕ መን እዩ፧ እስከ ይዛረብ እሞ ይንገረኒነቲ ዚመጽእን ዚኸውንን ይንገሩ።

8. ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ቀደምዶ ኣየስማዕኩኻን ኣይነገርኩኻንዶኸ፧ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ብጀካይዶ ኣምላኽ አሎ እዩ፧ ካልእ ከውሒ የልቦን፡ ገለ እኳ ኣይፈልጥን

9. እቶም ጣኦታት ዚሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙንእቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኺንውሩ እዮም።

10. ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሔ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ፧

11. እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኺንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡንኪስምብዱን ሐቢሮም ከኣ ኪንውሩን እዮም።

12. ስራሕ ሓጺን ምሳር ይስርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደሻ ይቕጥቕጦብሓይሊ ቕልጽሙ ይዐዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክምማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለል

13. ጸራቢ ገመድ ይግትርብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት ኪነብር እዩ እሞ፡ ከም መልክዕ ሰብከም ውቁብ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ

14. ኦም ሊባኖስ ይቘርጽኣውሕን ኣልጌንን የምጽእካብ ኣእዋም ዱር ከኣ ይሐሪ፡ ጽሕዲ ይተክልዝናም ድማ የብቊሎ

15. እዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ

16. እምበኣርሲ ፈረቓኡ ኣብ ሓዊ የንድዶበቲ ፈረቓኡ ኸኣ ስጋ የብስለሉ፡ ጥብሲ ጠቢሱ ድማ ይጸግበሉ፡ ይመውቚ እሞ፡ ኣሰይ እመውቚ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ አሎኹ፡ ይብል።

17. ነቲ ዝተረፈ ድማ ምስሊ ቐሪጹ ኣምካኽ ይገብሮኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይጽልን።

18. እዚኣቶምሲ፡ ከይርርእዩ ኣዒንቶምከየስተውዕሉ ድማ ልቦም ተደፊኑ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም።

19. ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደንጓህሩ ድማ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ ኸኣ ጠቢሰ በላዕኩ፡ ነቲ ተረፉዶ ፍንፋን ክገብሮ፧ ንቚራጽ ዕጨይቲዶኸ ኽሰግደሉ እየ፧ ኪብልሲ ኣብ ልቡ ዚምለስፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የልቦን።

20. ንሱ ሓመዂስቲ ይምገብነፍሱ ኸየናግፍ፡ እዚ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሶትዶ ኣይኰነን ከኣ ከይብልሲእተጠበረ ልቢ ኣጋገዮ

21. ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤልውንባርያይ ኢኻ እሞ እዚ ዘክር፡ ኣነ ደኰንኩኻባርያይ ኢኻ፡ ዎ እስራኤል፡ ብኣይሲ ኣይክትርሳዕን ኢኻ።

22. ንገበንካ ኸም ደበናንሓጢኣትካውን ከም ገመ ኣጥፊኤዮ እየ። ኣነ እየ ዝብጀወካ እሞ፡ ናባይ ተመለስ

23. እግዚኣብሄር እዩ ዝገበሮ እሞ፡ ኣቱም ሰማያትእልል በሉ። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎክብሩ ኸኣ ኣብ እስራኤል ገሊጹ እዩ እሞ፡ ኣቱም መዓሙቚ ምድሪ፡ ብታሕጓስ ጨድሩኣቱም ኣኽራንኣታ ዱር ምስ ኲሉ ኣእዋምካዓው ኢልኩም ዘምሩ።

24. እቲ ኻብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ተበጃዊኻከምዚ ይብል፡ እቲ ዂሉ ዚገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ንሰማያት በይነይ ዝዝርግሖ፡ ብዘይ ደገፍ ከኣ ንምድሪ ዝኻስሶ፡

25. ንትእምርቲ ሓሰውቲ ኸንቱ ዝገብሮ፡ ንጠንቈልቲ ዓያሱ ዝገብሮም፡ ንጥበበኛታት ድሕሪት ዝመልሶምንፍልጠቶም ከኣ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡

26. ንቓል ባርያኡ ዜጽንዖንምኽሪ ልኡኻቱ ዚፍጽሞ፡ ብዛዕባ የሩሳሌምኪነብርዋ፡ ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ ኸኣ፡ ኪህነጻ፡ ኣነውን ንዖናታተን ከተንስኦ እየ፡ ዚብል

27. ንመዓሙቚ ባሕሪ፡ ንጻፍንርባታትካውንኣነ ኸንጽፎም እየዚብል

28. ብዛዕባ ቂሮስንሱ ጓሳይ እዩንፍቓደይ ዘበለ ዂሉውን ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም ድማ፡ ክትህነጽ፡ ብናይ ቤተ መቕደስውንክትስረት እያ፡ ዚብል ኣነ እግዚኣብሄር እየ።