1. ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ።

2. ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ።

3. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስመድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ

4. ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።

5. ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ።

6-7. ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእነወዳተይ ካብ ርሑቕነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ

8. ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውርእዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮ

9. ኲሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም ከምዚ ዘመሰለ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧ እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኺብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡመርትዕኦም ከኣ የፍልጡ።

10. ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹምይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነንድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ።

11. ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን

12. ኣነ እየ ዝነገርኩዘድሐንኩዘስማዕኩ፡ ካልእ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄርኣነውን ኣምላኽ እየ

13. ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብርኪኽልክል ዚከኣሎኸ መን እዩ፧

14. እግዚኣብሄርእቲ ተበጃዊኹምናይ እስራኤል ቅዱስከምዚ ይብል አሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዂሎም፡ ኤረ ንከለዳውያንውን በተን ዚሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ፡

15. እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስኩምፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ።

16-17. እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽኤ፡ - ኲላቶም ብሓደ ወደቑኣይኪትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሀሙ፡ - እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል

18. ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ

19. እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።

20. ንህዝበይእቲ ሕሩየይምእንቲ ኸስቲማይ ኣብ በረኻውሒዝውን ኣብቲ ምድረ በዳ ኽህብ እየ እሞ፡ እንስሳ መሮር፡ እኒወኻርያን ሰገንንከኽብሩኒ እዮም።

21. እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ።

22. ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንንኣታ እስራኤፋዕራይ ኣይገበርካን

23. ገንእሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይንብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን፡ ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዐብኩኻን ብዕጣን ከኣ ኣየድከምኩኻን

24. ብሓጢኣትካ ደኣ ኣትዐብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምዳኒ እምበር፡ ቀረፋ ብገንዘብ ኣይተወየጥካለይንብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየጽገብካንን

25. ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።

26. ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብ

27. እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፡ እቶም መምህራንካ ድማ ዐመጹኒ

28. ስለዚ ንሓላቑ ቤተ መቕደስ ኣርከክዎምንያእቆብ ከኣ ንሕርሚ መጦኽዎንእስራኤል ድማ ንጸርፊ ወፌኽዎ።