1. በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲእንጌራና ንበልዕክዳንናውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕእናበላ ንሓደ ሰብኣይ ኪሕዛኦ እየን።

2. በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ዘምለጡ ናይ እስራኤል፡ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንጌጽን ንኽብርን፡ እቲ ፍረ ምድሪውን ንሓበንን ሓጐስን ኪዀኖም እዩ።

3-4. እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።

5. ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኽብርስ መኸወሊ ኪኸውን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሉ መሳፍሮ ኣኽራን ጽዮንን፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባታታን ደበናን ትክን ብመዓልቲባና ሃልሃል ዚብል ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኺፈጥር እዩ።

6. ኣብኡ ኸኣ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መጽለሊ፡ ካብ ሽሾን ዝናምን ከኣ ጸግዕን መዕቀልን ዚኸውን ድንኳን ኪህሉ እዩ።