1. በረኻን ምድረ ኣጻምእን ኪሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ።

2. ኣጸቢቑ ኺዕምብብብሓጐስን ብእልልታን ባህ ኪብል፡ ክብሪ ሊባኖስን ጌጽ ቀርሜሎስን ሳሮንን ኪወሀቦ እዩ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ኪርእዩ እዮም።

3. ነተን ዝሰነፉ ኣእዳው ኣበርትዑ፡ ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ

4. ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹምኣይትፍርሁ፡ እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ኪመጽእ፡ ባዕሉ ኼጽሕነኩም ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም

5. ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ኪኽፈታኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።

6. ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርርልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል፡ ማያት ኣብ በረኻወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኺፍልፍል እዩ እሞ፡

7. ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ፡ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ወኻሩ መሳፍሮ ዚገብራኦ ስፍራስ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ኪኸውን እዩ።

8. መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን እያ፡ ቅድስቲ መገዲ ኽትበሀል እያ፡ ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ፡ ንኣታቶም ጥራይ እያ፡ እቲ ብእኣ ዚኸይድ፡ ዓሻ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣይኪጋገን፡ እዩ።

9. ኣንበሳ ኣብኣ ኣይኪህሉን፡ ግርጉር ኣራዊት ኣይኪድይባን፡ ኣብኣውን ኣይኪርከብን እዩ፡ ድሑናት ደኣ ይመላለሱላ

10. እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ኪምለሱእልል እናበሉ ናብ ጽዮን ኪመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ኪኸልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ኪረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ኪሀድም እዩ።