1. እንሆ፡ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም።

2. ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊካብ ህቦብላ ኸም ጻግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።

3. ኣዒንቲ እቶም ረኣይቲ ኣይኪዖራንኣእዛን እቶም ሰማዕቲ ኸኣ ጽን ኪብላ እየን።

4. ልቢ እቶም ዝንጉዓት ፍልጠት ኬስተውዕልልሳን ወትኣት ከኣ ትኽ ኣቢሉ ኣጽርዩ ኺዛረብ እዩ።

5. ሕሱምሲ ድሕሪ ደጊም ክቡር ተብሂሉ ኣይኪስመንመጣፍኢ ኸኣ ጐይታ ኣይኪብሀልን እዩ።

6. ሕሱም ሰብሲ ረሲእነት ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ከኣ ስሕተት ኪዛረብንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሐድጋ ንጽሙእ ድማ መስተ ምእንቲ ኪኸልኦስ፡ ሕሰም ይዛረብልቡ ኸኣ እከይ ይሰርሕ።

7. መሳርያ መጣፍኢ ተካል እዩ፡ ንሽጉራትን ነቲ ቕንዕና ዚዛረብ ድኻን ብቓል ሓሶት ምእንቲ ኼጥፍኦምሲእኩይ ሓሳብ ይጠላልፍ

8. ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሐስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ

9. ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣዋልድናብ ዘረባይ ኣድህባ

10. ምጒናእ ዘቢብ ጠፊኡምእራይ ፍሬታት ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣንስቲ፡ ድሕሪ ዓመትን ቅሩብ መዓልታትን ክትስምብዳ ኢኽን።

11. ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲተሸበራኣትን ግዲ ዜብልክንራዕራዕ በላ፡ ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፡ ሓቛቚኽን ድማ ተዐጠቓ

12. ስለዚ ጽቡቕ ሸዓብትን ስለቲ ፈረዪ ኣታኽልቲ ወይንን ኣፍ ልበን ኪወቕዓ እየን።

13. ኣብ ምድሪ ህዝበይ፡ እወ፡ ኣብታ ሕጒስቲ ኸተማ ዘሎ ዂሉ ኣባይቲ ደስታእሾዂን ተዀርባን ኪበቊል እዩ።

14. ኣዳራሽ ኪሕደግ እዩ፡ እታ ሰባ ታእላው ዜብሉ ኸተማ ኽትጽሙ እያዕርድን ግምብን ከኣ ንሓዋሩ በዓትታታን ሓጐስ ኣእዱግ ከደንን መጓስዪ መጋርያታትን ኪኸውን እዩ እሞ፡

15. መንፈስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ዚከዐወና ከምዚ ኪኸኣን እዩ። ሽዑ ነቲ ምድሪ በዳ ኸም ፈራዪ ሽዕበት ኪኸውን፡ እቲ ፈራዪ ሽዕበት ድማ ከም ዱር ኪቚጸር እዩ።

16. ሽዑ ቕንዕና ኣብ ምድሪ በዳ ኺሰፍርጽድቂውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ።

17. ግብሪ ጽድቅስ ሰላምፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ።

18. ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።

19. ግናኸ ዱር ብበረድ ኪወድቕ፡ እታ ኸተማውን ኣዝያ ኽትዋረድ እያ።

20. ኣቱም ኣብ ጥቓ ዂሉ ማያት እትዘርኡን ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እትፍንውንብጹኣን ኢኹም።